ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ፖለቲካዊ እሱራት ደቡብ ሱዳን ተፈቲሖም


South Sudan
South Sudan
ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ከይዲ ሰላም ንምስልጣ ኣብ ቁፅፅር ንዝበሩ ኣርባዕተ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ኣዚዞም።ኣብ ልዕሊ እቶም ኣርባዕተ ዝቐረቡ ኽስታት ውዱቕ ንክኾኑ ካብ መራሕቲ እቲ ከባቢ ድፍኢት ከምዝነበረ እውን ኣይሓብኡን።

ፕሬዝዳንት ኪር ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይቶም ኣርባዕተ ፖለቲካዊ እሱራት ምፍታሕ ዕርቂ ንምጅማር ክተባብዕ ተስፋ ከምዘለዎም ብምግላፅ ኣስዒቦም ‘’እዚ ንሰላም ክብሃል ዝተኸፍለ ዋጋ እዩ’’ኢሎም።ትማሊ ዝተፈትሑ ኣርባዕተ ይኹኑ ቅድም ክብል ዝተፈትሑ ሸውዓተ ዋላ እንተሓነቕካዮም እውን ንዝጠፍአ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝኽሕስ ኣይኮነን።እዚ ዝሓሸ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

እቲ ምሕረት ንሪክ ማቻርን ካልኦት ዝጠቐሱዎምን ኣይምልከትን እውን ኢሎም ብምውሳኽ።
ምንስቴር ሓበሬታ ማይክል ማኩዪ ሉወት ፕሬዝዳንት ኪር ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ እዚ ምስ መራሕቲ እቲ ከባቢ ድሕሪ ምርኻቦም ዝሰዓበ ናይ ምፍታሕ ውሳነ እዩ ኢሎም።
ማሕበረሰብ ዓለም እዞም ሰባት እዚኦም ንኽፍትሑ ክደፍእ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ ንሰለምን ምርግጋእን ሓቢርና ንኽንሰርሕ ተስፍ ብምግባር ፈቲሕናዮም ኣለና ኢሎም እቶም ምንስቴር ሓበሬታ።

ኣብዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እውን መንግስቲ ተኣሲሮም ንዝነበሩ ሸውዓተ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ምፍትሑ ይዝከር።እንተኾነ እቶም ሸውዓተ መንግስትን ተቓዋምን ዋላ እንተዘይተሰማምዑ እውን ከምሳልሳይ ወገን ኮይኖም ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ንኽሳተፋ ሓቲቶም ኣለው።

ማኩዪ ግን መንግስቶም መን እዩ ብዘየገድስ ዝቕፅል ሰኒ ክጅመር ትፅቢት ኣብዝግበረሉ ዘተ ሰላም ኣብቲ ጠረጴዛ ኮፍ ምስ ዝበለ ክሳተፍ እዩ ኢሎም።

ዝቕፅል 3ን 4ን ግንቦት 2014 ኣ/ፈ ኣብ ጁባ ስለሰላም ሃገራዊ ፀሎት ከምዝካየድ እውን ፕሬዝዳንት ኪር ዕላዊ ገይሮም ኣለው።
XS
SM
MD
LG