ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ንከተማ ቤንቲዩ ተቖፃፂርናያ ኢሎም


South Sudan rebel fighting map Indonesian copy
South Sudan rebel fighting map Indonesian copy
ናይ ደቡብ ሱዳን ተቓወሚ ሓይልትታ ቀንዲ ኣፍራይት ነዳዲ ናይ ዝኾነት ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ዋና ከተማ ቤንቲዩ ተቖፃፂርናያ ኢሎም።ሽሙ ክገለፀሉ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ እውን ነዚ ኣረጋጊፁ’ሎ።ሰበስልጣን ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ግን ኣብታ ከተማ ውግእ ቀፂሉ’ሎ ይብሉ ኣለው።
ናይ ተቓዋሚ መራሒ ሪክ ማቻር ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ጄምስ ጋዴት ድሕሪ ናይ ትማልን ሎማዕንትን ውግእ ሓይልታቶም ሎሚ ንጉሆ ነታ ከተማ ተቖፃፂሮምዋ ኣለው ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ኮሎኔል ፊሊፕ ኣጉወር ግን ኣብ ቤንቲዩ እቲ ውግእ ቀፂሉ እዩ ዘሎ ሂሎም።ክልቲኦም ወገናት ዝወረዶም ጉድኣት ኣይገለፁን።

ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኸይድ ኩሉ ምህርቲ ነዳዲ ንምዕፃው እናፈተኑ እዮም ኢሎም ወሃቢ ቃል ተቓዋሚ ጋዴት።መንግስቲ ነዳዲ እናሸጠ ተዋሳኺ ኣፅዋር ክዕድግ ስለ ዘይንደሊ ኣብ ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ዩኒትን ኣፐር ናይልን ነዳዲ ዘምርቱ ዘለው ኩባንያትታ ስርሖም ጠጠው ንኸብሉ ሓደ ሰሙን ሂብናዮም ኣለና ኢሎም ብምውሳኽ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት፣ዩናይትድ ስቴትስን ካልኦት ኣባላት ዓለምለኸ ትካላትን ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓሶም ንኽልቲኦም ወገናት እናነቐፉ እዮም።
XS
SM
MD
LG