ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡዃት ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወከልቲ ኢጋድ ኣቢሎም ዝርርብ ጀሚሮም


A young displaced boy rests on the wheel arch of a water truck while others fill containers from it, at a United Nations compound which has become home to thousands of people displaced by the recent fighting, in the Jebel area on the outskirts of Juba, So
A young displaced boy rests on the wheel arch of a water truck while others fill containers from it, at a United Nations compound which has become home to thousands of people displaced by the recent fighting, in the Jebel area on the outskirts of Juba, So

ክሳብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ድሕሪ ስዓት ክልቲኦም ልኡዃት ገፅ ንገፅ ኣይተራኸቡን።

ወኪላት መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ይዋግኡዎም ዘለው ዓመፅትን ንሰልስተ ሰሙናት ዝፀንሐ ህውከት ጠጠው ንምባል ነኒበይኖም ዝርርብ ጀሚሮም።ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ልምዓት በይነ መንግስቲ ንቶም ዓመፅቲ ምኵናኖም እንተቀፂሎም ግን እቲ ኩነት ናብ ሓደገኛ ገፁ ክኸይድ እዩ ክብሉ ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለው።

ልኡኻት መንግስትን ወኪላት ዓማፂያንን ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ምስ ሸምገልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነኒበይኖም ተራኺቦም ኣለው።ክሳብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ድሕሪ ስዓት ክልቲኦም ልኡዃት ገፅ ንገፅ ኣይተራኸቡን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ Sudd Institute ኣብ ዝተብሃለ ትካል መፅናዕቲ ዝሰርሑ ጆክ ማዱት ኣብዛ ስዓት እዚኣ ንህዝቢ ሱዳን ልዕሊ ኩሉ ዘገድሶ ቶኽሲ ጠጠው ምባል እዩ ኢሎም።
ሓሙሽተ ሃገራት ዝሓቖፈ ኢጋድ ብምኽትል ፕሬዝዳንት ነበር ሬይክ ማቻር ንዝምርሑ ዓመፅቲ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሕገ መንግስታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ካብ ስልጣን ከውርዶም ቅቡል ኣይኮነን ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።

መተዓረቕቲ እቲ ደንበ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ንዓርሶም ኣብ ተኳሳሒ ኩነታት ከምዘእትዎም ጆክ ይገልፁ።

ኢጋድ በቲ ሓደ ወገን ንደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ ህውከት ከም መሳርሒ ምጥቃም ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ደልዩ’ሎ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ንስጉምቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ነበር ንምኹናን ምፍታን ግን ናብ ኵናት ሕድ ሕድ ናይ ምእታው ሓደጋ ኣለዎ’’ኢሎም ጆክ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣዘዝቲ ተዋጋእቲ ዓማፂያን ካብ ቦር ናብ ጁባ ንምግስጋስ ይሰናድኡ ከምዘለው ኣጠንቂቖም።

እታማዦር ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ጀነራል ጄምስ ሆት ማይ ግን ክልቲኦም ወገናት ናብ ዕርቂ ክኣትው ኣለዎም ክብሉ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምፅዋዕ ተነሓናሕቶም ካብ ቦር ናብ ጁባ ቅድሚ ምግስጋሶም ንሶም ናብ ቦር ይግስግሱ ከምዘለውን ኣብ ዝኾን ይኹን ስዓት ናብ ቦር ከምዝኣትውን ገሊፆም።ምኽንያቱ ኢሎም ንሶም ‘’እዞም ሰባት እዚኦም ናብ ጁባ ክመፁ እዮም ድልየቶም።ናብዚ መፂኦም ክሕዙና ኣይንደልን።ናብኦም ክንኸይድ ኣለና’’ኢሎም።
ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ጁባ ፀጥታዊ ኩነታት እናሓመቐ ይኸድ ብምህላው ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወፁ ኣዚዙ’ሎ።

እቲ ህውከት ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ቐቲሉ፣ንከባቢ 200 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ኣመዛቢሉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG