ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጁባ ሎሚ’ውን ድምፂ ቶኽሲ ይስማዕ ውዒሉ


sudan kiir
sudan kiir
ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ሎሚ ሰሉስ ምሉእ ማዕልቲ ሓል ሓሊፉ ድምፂ ቶኽሲ ይስማዕ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ’ሎ።በቲ ህውከት እንተወሓደ 26 ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣሽሓት ስቪላት ከምዝተመዛበሉን ሰበስልጣን መንግስቲ ገሊፆም ኣለው።ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ኣለው።

መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ከተማ ጁባ ከምዝገለፅዎ ሎማዕንቲ ሰሉስ ምሉእ ማዕልቲ ኣብታ ከተማ ናይ ጥይትን ከብዲ ብረትን ቶኽስታት ክስማዕ ውዒሉ።ወታደራት ንጎደናታት ክሕልዉ ተራኢዮም ኣለው።

ትማሊ ሰኒ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ቶኽሲ ድሕሪ ምልዓሉ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብታ ከተማ ስዓት እቶ እቶ ኣዊጆም።

ዋላ’ዃ እቲ ውግእ ከመይ ከምዝጀመረ ንፁር ኣይኹን እምበር ፕሬዝዳንት ኪር ብደገፍቲ ናይ ቀደም ምኽትል ፕሬዝዳንት ሪክ ማቻር ዝተፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ እዩ ኢሎም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳይረክተር ናይ ብሪታኒያ ረድኤት ኦክስፋም ኢማ ጄን ድሩ ካብ ጁባ ብቴሌፎን ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ መግለፂ ገለ 14 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ህውከት ከምዝተመዛበሉ ገሊፀን።

ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ጁባ እቲ ኩነት ኣብ ቁፅፅር ኣውዒለዮ እየ እንተበለ እውን ህውከት ኣብ ዝቐፀለላ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነት ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለው።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር መንግስቶም ነቲ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ ተቖፃፂሩዎ’ሎ ኢሎም ስዓት እቶ እቶ ዋላ እንተኣወጁ እውን ኣብ ጁባ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ጎደናታት ቶኽሲ ይስማዕ ከምዝወዓለ ገሊፁ’ሎ።ንዝርዝሩ ብድምፂ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG