ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ጁባ ኣቐዲሙ ብዝወቕዐ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ፣ኤርትራ ድማ ብከቢድ ዝናብን በረድን ተወቒዐን


ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ሓደጋ ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዚኡ ከይበፅሐ ብዝወቕዐ ዝናብ ንዝተመዛበሉ ኣሽሓት ሰባት ዘስካሕክሕ ኩነታት ፈጢሩ ኢሉ።እቲ ሰብኣዊ ትካል ምቕራብ መፅለሊ፣ፅርየትን ንፁህ ማይን ውዓል ሕደት ዘየድልዮ እዩ ይብል።

ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓደ ስዓት ዝፀንሐ ከቢድ ዝናብን ሓያል ንፋስን ኣብ ከተማ ጁባ ወቒዑ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳይረክተር እቲ ትካል ዝኾና ወንዲ ቶይበር ብጨርቅን ሻንባቆን ንዝተሰርሑ መዕቖቢታት ዘይረን ምስ ተዓዘባ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ኣብ ውሽጢ ሓደ ስዓት ብዝወቕዐ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ 646 መፅለሊታት ዓንዮም ኢለን።እቲ ካምፕ 23 ሽሕ ሰባት ዝነብርሉ እዩ ምስ በላ ኣስዒበን ‘’ናይ ሓደ ስዓት ዝናብ ከምዚ ዝበለ ዕንወት እንድሕር ኣውሪዱ ኣማእቲ መፅለሊታቶም ክስእኑ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ’’ኢለን።

እቶም ዝተመዛበሉ ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ክንቀሳቐሱ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ሓደጋን ካልኦት ትካላትን የተባብዕዎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ኣስመራ ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ከቢድ ዝናብን ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዝኸውን በረድን ከምዝወቕዐ ተፈሊጡ።ጎዳንናታት እታ ከተማ ከቢድ ውሕጅን ናይ በረድ ኩምራን ስለዘጋጠሞም ትራፊክ ክንቀሳቐስ ኣይክኣለን።

ቴሌቪዥን ኤርትራ እቲ ማዕበል ን90 ደቓይቕ ከምዝወቕዐን ኽፋል እታ ከተማ ብበረድ ከምዝተዓፀወን ፀብፂባ።ላ።ውሕጅ ኣብ ጎደናታት ክውሕዝን መኻይን እውን በቲ በረድ ተዋሒጠን ኣርእያ’ላ ቴሌቪዥን ኤርትራ።

እዋኑ ኣብ ከተማ ኣስመራ በረድ ዝወቕዐሉ’ዃ እተኾነ እዚ ናይ ሎሚ ግን ብፃዕቑን ክብደቱን ንነበርቲ ከተማ ኣስመራ ኣግሪሙሎም ኣሎ።
XS
SM
MD
LG