ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ሰበስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናብ ተቓወምቲ ኸዲዖም


Map of South Sudan
Map of South Sudan

ሰለስተ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ንመንግስቲ ብምኽዳዕ ምስተቓወምቲ ምፅንባሮም ኣፍሊጦም።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ሉሙምባ ስታንዚላስ ሓዊሱ ዝኸድዑ ሰበስልጣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ንሃገሮም ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ቓልሲ ምሕዋሶም ኣፍሊጦም ኣለው።

ግጭት ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ልዝብ ሰላም ተጠናኺሩ ዝቐፀለ እንተመሰለ እውን መራሕቲ እታ ሃገር ግን ሎሚ እውን ተኸፋፊሎም ይርከቡ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ልሙምባ ስትንዚላስ፣ኣባል ሃገራዊ ፓርላማ ሄነሪ ኤድዋርድን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሌክስ ኣዛዚ ግንባር ሓርነት ደቡብ ሱዳን ዝነብሩ ማኩዌር ማንጋርን ብፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ዝምራሕ መንግስቲ ብውልቀ ምልክነት ብምኽሳስ ምስ መንግስቲ ምስራሕ ይኣኽለና ኢሎም ኣለው።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ መንግስቲ ንምዝርራብ፣ምኽንያታውነትን ንምምሕያሻት ፖሊሲን ይቃወም እዩ ኢሎምዎ ኣለው።መንግስቲ ሳላቫ ኪር ሕቶ ሰናይ ምሕደራ ንዘልዕል እውን ‘ከም ሃገር ካብ እንምስረት ገና ገና ክልተ ዓመትና እዩ’ ዝብል መልሲ ከምዝህብ ኸሲሶምዎ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ሉሙምባ ስታንዚላስ ሃገሮም ኣብ ኣፍደገ ውድቀት ከምእትርከብ ብምግላፅ ይኣክል ኢሎም።’’ስቓይ ህዝቢ ጠጠው ንምባል ሓደ ነገር ክትገብር ኣለካ’’ምስ በሉ እቶም ኣምባሳደር ብምቕፃል ‘’ምስ ኩሎም ናይ ቓልሲ ብፆት ምትሕብባር እውን የድሊ እዩ።ናብ ምፍራስ ተምርሕ ናይ ዘላ ሃገር ከቢድ ውድቀት ንርኢ ከምዘለና ኩሎም ብፆትና ኣብ መደምደምታ እናበፅሑ እዮም’’ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ንሃገሮም ንምድሓን ንዝካየድ ቓልሲ ንምሕጋዝ ኣብ ጎኒ ተቓወምቲ ንምስላፍ ምውሳኖም ሰለስቲኦም ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG