ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቀቢሮም ንዝነበሩ ነተጉቲ ንምውፃእ ፃዕሪ ኣብ ዝካየደሉ ሓደስቲ ነተጉቲ ይቅበሩ'ለው ተባሂሉ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ብነዳዲ ዘይቲ ኣብ ዝሃፍተመት ክፍለ-ግዝአት ዩኒቲ ሚሊሽያታት ደባይ ተዋጋእቲ ኣንፃር'ቲ 5-ተ አዋርሕ ዝገበረ መንግስቲ ኣብ ዘካይድዎ ውግእ ሓደስቲ ነተጉቲ ይቀብሩ'ለው ክብሉ ትካላት ረድኤት ይኸሱ'ለው።

ካብታ ብሰንኪ ነተጉቲ ክትአቱን ክትወፅእን ዘይከአለላን "ቤት-ማእሰርቲ" ዝብል መፀዋዕታ ተዋሂብዋ ዘሎ ርእሰ-ኸተማ'ታ ክፍለ-ግዝአት ባንቱ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቃስ አፀጋሚ ኾይኑ ከም ዘሎ ካብኡ ዝመፀና ፀብፃብ ይሕብር።

ደቡብ ሱዳን ነፃ ካብ ትወፅእ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ንነጀው ሓደስቲ ነተጉቲ ይቅበሩ ብምህላዎም ዓብይ ስግአት ፈጢሩ ከም ዘሎ ኣብ ምውፃእ ነተጉቲ ተዋፊሮም ዘለው ኪኢላታት ይዛረቡ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG