ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ምኽክር ኢጋድን ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳንን ተዛዚሙ። ንዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ዝተኻየደ ናይ ኢጋድን ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳንን ምኽክር ነቲ ሓድሽ ናይ ድርድር ስልቲ ንምርዳእ ምዃኑ ናይ ተቓወምቲ ዋና ተደራዳሪ ጀነራል ታባ ደንጋይ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።
ኢጋድ እንትድመር ዝብል ሓድሽ ናይ ድርድር መንገዲ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪካ፣ኢንግሊዝ፣ኣሜሪካንን ነርወይን ዝሓቖፈ ትሮይካ፣ሕብረት ኣውሮፓ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ቻይና፣ናይ ኢጋድ ኣጋራት መድረኽ ከምኡ እውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ብሸምጋልነት ክሳተፉ እዮም።
እዚ ብሓድሽ ስልቲ ዝካየድ ልዝብ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝካየድ ክስማዕ ዝቐነየ ግን ከምኡ ኣይኮነ ኢሎም ጀነራል ታባ።
ኣደራደርቲ ኢጋድ ነዚ ሓድሽ ስልቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝጅመር ጉባኤ ዕላዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።ድሕሪኡ ዝተጠቕሱ ሸምገልቲ ዝሳተፍሉ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከካይዱ እዮም ኢሎም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ምኽክር ኣኼባ ምስተዛዘመ ኢጋድ ንተደራደርቲ ዝሃቦም ሰነድ ንቶም ተቓወምቲ ዘሐጎሰ ኣይኮነን።እቲ ሰነድ መንግስትን ተቓወምትን ክሰማምዕሎም ኣለዎም ዝበሉዎም ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።ዋና ተደራዳሪ ተቓወምቲ ታባ ደንጋይ እቲ ሰነድ ንቕድሚ ዝወስድ ኣይኮነን ይብሉ። ’’ መራሕቲ ጉባኤ ኢጋድ እንትድመር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ከሎ ክህቡና ትፅቢት እንገብሮ ሰነድ ውሰዱዎ ወይ ግደፉዎ ብዝብል ዝውሃበና እንተኾይኑ ጥፍኣት እዩ’’ምስበሉ ኣስዒቦም ም’’ኽንያቱ እቲ ሰነድ ናይ ደቡብ ሱዳን ቀንዲ ጉዳያት ቅልውላው ዝድህስስ ኣይኮነን’’ኢሎም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሰርሕ ብዛዕባ ዝኽእል ስምምዕ ሰላም ዝሓዘ ኣይኮነን ክብሉ ብምግላፅ ኽፍፍል ስልጣን ብዝምልከት ከም ኣብነት ብምጥቓስ ንሳልቫ ኪር 53 ሚእታዊ፣ንዓና 33 ሚእታዊ እቲ ዝተረፈ ድማ ንኻልኦት ወገናት ዝውሃብ ከምዝኾነ ብምግላፅ እዚ ዝሰርሕ ኣይመስለንን ኢሎም።
ዋና ተደራዳሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ኢጋድ ወፃኢ ኣብቲ ልዝብ ንኻልኦት ወገናት ምስታፍ ውፅኢት ከምዝፅእ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ትማሊ ገሊፆም እዮም።