ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዱሽ ውግእ ደቡብ ሱዳንን ሳዕቤኑን


ውግእ ደቡብ ሱዳን
ውግእ ደቡብ ሱዳን
ተዋጋእቲ ደቡብ ሱዳን፣ብዘሰንብድ ኩነታት ንሆስፒታላት ዘሚቶም፣ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ሕክምናን ሰራሕተኛታቶምን ሕሙማትን መጥቃዕቲ ፈፆሞም።

ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ኣብ ሆስፒታል ማላካል ዝሓለፈ ቀዳም ብውሑድ 14 ሬሳታት ተረኺቡ፣ሓያለ ካብኣቶም ርእሶም ብጥይት ዝተወቅዑ ምኳኖም ተፈሊጡ‘ሎ።

ኣብ ሕ/ሃ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ጉዳያት ቶቢ ላንዘር፣ሎሚ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምርኣዮም፣ኩነታት ላዕለዋይ ናይል ዘይተረጋገአ‘ዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣15 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኢትዮዽያ ከምዝሰፈሩ IOM ኣፍሊጡ።

ዓለም-ለኸ ማሕበር ስዱዳት ጨንፈር ኢትዮዽያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ንውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ድሕሪ ምፍራሮም ድሕሪ ምጥሓሱ፣ኲናት ተወሊዑ ንሰላማውያን ሰባት ይጎድእ ኣሎ ይብል።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ማላካል ዋላብ እቲ ኲናት ይቅፅል‘ሎ።ብጠንቁ ድማ ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደድ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG