ዋሽንግተን —
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ውዑይ ኩነታት ኣየር ኣብያተ ትምህርቲ'ታ ሃገር ንኽልተ ሰሙናት ክዕጸው መንግስቲ ወሲኑ።
እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ትወስድ ዘላ ኣብታ ሃገር ህወከት ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብታ ሃገር ይኣትው ኣብ ዘለውሉ'ዩ።
ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ውዑይ ኩነታት ኣየር ንምብዳህ ጠለብ ማይን በረድን ምውሳኹ፡ ከም ኣብ ጁባ ዝኣመሰሉ ከተማታት ድማ ዋጋ በረድን ማይን ምንሃሩ ነበርቲ ይገልጹ።
ቆልዑ ካብቲ ክሳብ 45 ዲግሪ ሰንትግረይድ ከም ዝበጽሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዋዒ ንምድሓን ዝተወስደ ውሳነ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ መማህራንን ኣብ ምምሃርን ምምምሃርን ዝርከቡ ሰብ ሞያን ደጊፎም ገሊጾም ኣለዉ።
ቅጥዒ