ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈረመ ውዕል ብምፍራስ ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ነሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው


South Sudan's rebel leader Riek Machar (R) and South Sudan's President Salva Kiir (L) exchange signed peace agreement documents in Addis Ababa, Ethiopia, May 9, 2014.
South Sudan's rebel leader Riek Machar (R) and South Sudan's President Salva Kiir (L) exchange signed peace agreement documents in Addis Ababa, Ethiopia, May 9, 2014.
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈረመ ውዕል ቶኺሲ ጠጠው ምባል ከምዝተጥሓሰ ይግለፅ ኣሎ።መን ጠሓሰ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድ ሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ብህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ብማሕበረሰብ ዓለምን ተስፋ ዝተውሃቦ ስምምዕ ሰላም ምስ ተፈረመ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ተግባራዊ ክኸውን እንተነበሮ እውን ምፍራሱ እዮም ዝገልፁ ዘለው።
ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሌና መጥቓዕቲ እናፈፀሙ እዮም ክብሉ ሪያክ ማቻር ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ተጣሒሱ’ሎ፤መንግስቲ መጥቓዕቲ ፈፂሙና’ሎ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣብ ባንቲውን ኣብ ደቡብ ባንቲውን ኣብ ልዕሌና መጥቓዕቲ ፈፂሞም ኣለው።ኣብ ምብራቕ፣ኣብ ኣፐር ናይል፣ኣብ ናስርን ኣብ መቲያንግን እውን ከም’’ኢሎምኡ።
ፈላመይቲ ጥይት ዝተኮሱ ሓይልታት ዓመፅቲም እዮም ክብል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።

ዶ/ር ሪያክ ማቻር ግን ሓይልታቶም ቀዲሞም ከምዝይተኮሱን እንተኾነ ግን ንዓርሶም ንምክልኻል ከምዝፈተኑን ገሊፆም።መንግስቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣኽቢሩ ከምዘይፈልጥን ብተኸታታሊ እናጥቕዖም ንሶም ድማ ብተኸታታሊ እናተኸላኸሉን ምፅንሖም ወሲኾም ተዛሪቦም።
ንፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብምድጋፍ ዝዋግኡ ዘለው ናይ ወፃኢ ሓይልታት ማለት እውን ናይ ኡጋንዳ ወታደራትን ንኣርባዕተ ዓመፅቲ ጉጅለታት ሱዳንን ብምጥቓስ ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣየኽብሩን ዘለው ኢሎም ዶ/ር ማቻር።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ስምምዕ ጠጠው ምባል ቶኽሲ ኣብ ግብሪ ዝውዕል፣ወታደራት በብዘለውዎ ጠጠው ንኽብሉ ትእዛዝ ምሃብ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሓልፈሉ መንገዲ ምፍቃድን ከምኡ እውን ናይ ሃገራዊ ሓድነት ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ኩነታት ምምችቻውን ዝብሉ ኣብቲ ስምምዕ ካብዝተጠቕሱ ነጥብታት እዮም።

ክልቲኦም ፈረምቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ዝፈረምሉ ውዕል ሰነድ ክለዋወጡ ከለው ክጨባበጡን ክተሓቛቖፉን ኣይተርኣዩን።

ስምምዕ ጠጠው ምባል ቶኽሲ ግብራዊ ንክኸውን ኣኽበርቲ ሰላም ናብቲ ከባቢ ክልኣኹ ሪያክ ማቻር ኣብዚ ናይ ሎማዕንቲ መግለፂኦም ፀዊዖም ኣለው።
XS
SM
MD
LG