ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ቦር ደቡብ ሱዳን ሎሚ እውን ሬሳታት ፈቖዶ ተደርቢዮም ይኣርኣዩ ከምዘለው ተሓቢሩ


FILE - Dead bodies covered in plastic lie in front of a burnt out marketplace in Bor, South Sudan.
FILE - Dead bodies covered in plastic lie in front of a burnt out marketplace in Bor, South Sudan.
ኣብ መንጎ ዓማፂያንን መንግስትን ደቡብ ሱዳን ውግእ ተጎሃሂሩ ቀፂሉ’ሎ።ኣብ ገለ ከተማታት ዝተረፉ ሒደት ነበርቲ ፈቖዶ ጎደናትታ ተደርቢዮም ንዝርከቡ ሬሳታት ንምቕባር ይፍትኑ ኣለው።

ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ክፍለ ግዝኣት ጆንግሊ ከተማ ቦር እቲ እንኮ ድምፂ ፅምዋ እዩ።
ሓደ ህፃን ኣብቲ ዕዳጋ ዝነብረ ሎሚ ግን ዝፈራረሰ ከባቢ ገለ እንተረኸበ ሃሰው እናበለ ይርአ።ጥር ዝብል ዝብላዕ ነገር ግን የለን።ኣሞራ ኣብ ሰማይ ኮለል እናበሉ ይርኣዩ።
ፀጥ ኣብ ዝበለ ካልኢ ኽፋል እታ ከተማ ብጃምላ ሰባት ዝቕበርሉ ጉድጓድ ናይ ዝኽዕቱ ሰባት ድምፂ ጥራሕ ይስማዕ።

ብዓል ሙያ ሕጊ ዝኾነ ማይክል ሜይን ናብታ ከተማ ተመሊሱ ዝርኣዮ ንምእማን ኣይክኣለን።ሰባት ተሓሪዶም፣ነዲዶምን ሬስኦም በስቢሱን።ክልተ ሽሕ ዝኸውን ዝበሎም ሬሳታት ንምእካብ ኣብታ ከተማ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ከምዘሕለፈ ይገልፅ።
ብዛዕባ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ዝኾነ ነገር ንምፍላጥ ወሲኑ ከምዝመፀ ብምግላፅ ኮይኑ ዝረኸቦ ግን ከምዚ ይብል።’’ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይእኽሉ ከምዝተቐተሉ እየ ተዓዚበ።ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃውንትን ኣካለ ስንኩላንን እዮም ተቐቲሎም’’ይብል።

እቲ ውግእ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መንጎ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳላቫ ኪርን ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሪክ ማቻርን ብዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ቅልስ ጀሚሩ ብቕልጡፍ ነገዳዊ ማእዝን ዝሓዘ እዩ።

ረቨረንድ ቶማስ ኩር ኣብ ማእኸል ከተማ ቦር ናብ ዝርከብ ቅዱስ ኣንድሩ ኤፒስኮፐል ቤተ ክርስቲያን ምስ ተመለሱ ሽዱሽተ ቄሳውስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብጥይት ተቐቲለን ረኺቦምወን።ብዕደመ ንእስ ዝበላ ሓንቲ ቀሲስ ብፆታዊ ዓመፅ ምስተደፈራ እየን ብዘስካሕክሕ መንገዲ ተቐቲለን።

ክቡር ዝኾነ መብዛሕቲኡ ሬሳ ሎሚ እውን ፈቖዶ ጎጆታት ተዘርጊሖም ከምዝርከቡ ይገልፁ ቀሺ ቶማስ።’’ቐብሪ ዝብሃለ የለን።እታ ከተማ ስለዝባደመት መን ክቐብር’’ ምስበሉ 134 ሰባት ብጃምላ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐበርሉ እውን ሪአ እየ ኢሎም።

ኣብ መንበሪ ገዝኣ ዝተረፈ ነገር እንተሃሊዩ ንምውሳድ ካብ ዱር ዝመፀት ሜሪ ኣሩ ገዝኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ፣ዓራታ ከይተረፈ ኩሉ ነገር ከምዝተዘረፋ ትገልፅ።

ተሓላቒ ሰባኣዊ መሰላት ዝኾነ ‘’ህይውማን ራይትስ ዎች’’ ሓዊሱ ካልኦት ትካላት እውን ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈፀሙ ጃምላዊ መግሃስትን መቕተልትን ብቐሊሉ ተቐቢሩን ተረሲዑን ዘይተረፍ ምዃኑ ንምርግጋፅ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ መረዳእታ ከተኣኻኽቡ ይፅውዑ ኣለው።

ማይክል ሜይን ክንድዝክኣሎ ስእሊ እናልዓለን እናሰነደን ይርከብ።ውሱን ሬሳታት ድማ ንክልተ ኣዋርሕ ተድርቢዮም ፀሓይ ስለዝወቕዖም ብኣኽላባትን ኣሞራን ተበሊዖም እዮም።
ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ገዛ ገዛ እናዞሩ ኣለሻ የካይዱ ከምዘለውን እንተኾነ ሕፅረት መኻይንን ሓይሊ ሰብን ስለዘለዎም ካብ ከተማ ቦር ብዙሕ ሪሒቖም ከምዘይተጉዓዙን ይገልፁ።ከተማ ቦር ንርእሳ ዛጊድ ፍርቂ እያ ተፈቲሻ ዘላ።

ተቓወምቲ ኣብ ፍርቂ ክፍለ ግዝኣት ጆንግሊ ይንቀሳቐሱ ኣብዘለውሉን ኣብ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት እውን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ዝፅብፀበሉን ዘሎ ምእካብ ሬሳታት ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ።
XS
SM
MD
LG