ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

200 ደቡብ ሱዳናውያን ብሓደጋ ጀልባ ሞይቶም


ሰላም ዝሳኣኑ ደቡብ ሱዳናውያን
ሰላም ዝሳኣኑ ደቡብ ሱዳናውያን
ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ‘ቲ ውግእ ይሃድሙ ንዝነበሩ ህፃናትን ደቂ-ኣነስትዮን ዘሳፈረት ጀልባ ተገልቢጣ ኣስታት ክልተ ሚእቲ መንገደኛታት ከምዝሞቱ ሰራዊት‘ታ ሃገር ኣፍሉጡ።

ወሃቢ-ቃል ፍልፕ ኣጉር ሎሚ ሰሉስ ከምዝሓበሮ፣እቲ ሓደጋ ኣብ ጥቃ ከተማ ማላካል ክፍሊ ዋይት ናይል‘ዩ ኣጓኒፉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብን ከባቢን ብነዳዲ ሃብቲ ትልለ ርእሰ-ከተማ ናይል ስቴት ማላካል ሓድሽ ኲናት ከምዝተወለዐ ሕ/ሃ ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ‘ታ ከተማ ዝቆመ መዕቆቢ ተፈናቀልቲ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከምዘፅለለ‘ውን ሰራሕተኛ ሕ/ሃ ቶብይ ለንዘር ገሊፁ።

ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ንክፍርሙ ትፅቢት ኣሎ።

እንተኾነ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ዝተኣሰሩ 11 ፖለቲካዊ እሱራት ኣይፈትሕን ስለዝበለ እቲ መስርሕ ተጓቲቱ ይርከብ።
XS
SM
MD
LG