ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ድሕሪ መዓልቲ ናፅነት ደቡብ ሱዳን ዓቃቢ-ሰላም ካብ ግዝኣታ ክወፅእ ኣለዎ ትብል

  • ማርጋሬት ባሽር

EAST AFRICA

ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ደቡባዊያን፣ሰራዊት ሱዳን ካብ ኣቢየይ ንክተውፅእ ይፅውዑ


ኣምባሳደር ደፋ-ዓላ ዓሊ ኦስማን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት፣እዋን ስግግር ትሻዓተ ሓምለ ድሕሪ ምዝዛሙ፣እቲ 10,400 ሰራዊት ዝሓቆፈ ዓቃቢ-ሰላም ሕ/ሃ ኣብ‘ቲ ከባቢ ዝፀንሓሉ ምኽንያት የብሉን ኢሎም።ኣምባሳደር ኦስማን፣ነቲ ደብዳቤ ንዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ከምዘረከቡ ብኣስተርጓሚ ይገልፁ።

ዕድመ ናይ‘ቲ ልኡኽ ምንዋሕ ምኽኑይ ዝኾነሉ ዕድል የለን።እቶም ዝጓተቱ ዘለው ፀገማት’ውን እንተኾኑ ብቁዕ ምኽንያት ኣይህቡን።እቶም ዘይተፈትሑ ፀገማት፣ናብ ሓቀኛ ልዝብ ክልቲኦም ወገናት ክቀርቡ ኣለዎም ይብሉ እቶም ኣምባሳደር።

እቶም ዝዝረበሎም ዘሎ ከበድቲ ፀገማት፣ሕቶ ኣብዪይ፣ዶብ፣ምምቅቃል ፀጋታት ነዳዲን ሱዳን ዝተለቀሐቶ 38 ቢልዮን ዶላርን ይርከብዎም።

ኣብ ዩ-ስን ሕ/ሃን ንደቡብ ሱዳን ዝውክል ሎል ጋት ኩዝ ብወገኑ፣እታ ትምስረት ሓዳስ ሃገር ንዓቃቢ-ሰላም ሓንጎፋይ ኢላ ክትቅበልን፣ኣብ‘ቲ 2,100 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ሓባራዊ ዶብ ከጓንፍ ንዝኽእል ፀገም ፀጥታ ክትቆፃፀርን ድልየታ‘ዩ ይብል።

ሚስተር ኩዝ ወሲኹ ”ሸቶና ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ሰላማዊ ሓቢራዊ ናብራ ተፈጢሩ ምርኣይ‘ዩ።ናይ‘ዚ ቀረባ ጊዜ ተመክሮና ግና፣ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ንምብፃሕ ክንደየናይ ፃዕሪ ከምዘድልየና‘ዩ ሓቢሩና።እዚ ዕላማ‘ዚ ክፍፀም እንተኾይኑ ሞንጎኛ ኣካል ኣገዳሲ’ዩ” በለ።

ክልቲኦም ወከልቲ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣዋርሕ ንዝተባለሐ ጎንፂ ተሓታታይ እቲ ካልእ ወገን‘ዩ ክብሉ ነንባዕሎም እናተካሰሱ ተራእዮም‘ለው።ካርቱም እንተኾነት፣ፖለቲካዊን ፀጥታዊን ስምምዕነት ክሳብ ዘይተበፅሐ፣ሰራዊታ ካብ ኣበዪይ ከምዘይተውፅእ ገሊፃ‘ያ።ደቡባዊያንን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ግና፣ ሱዳን ብህፁፅ ሰራዊታ ካብ ኣብዪይ ንክተውፅእ ይፅውዑ‘ለው።

XS
SM
MD
LG