ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ'ዚ እዋን ናብ ኣበዪይ ዝኣተወ ዓቃቢ-ሳላም ንሰላማዊ ሰባት ከድሕን'ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎዎ


እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተመደበ ዓቃቢ-ሰላም ግና ብኣምነስቲ ይንቀፍ

ሓይልታት መንግስቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝተዋጋእሉ እዋን፣ቀዳሞት ወፈርቲ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ሕ/መ ኣብ ኣበዪ፣ንሰላማዊያን ሰባት ክከላኸሉ ከምዘይካኣሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ። ኣብ'ዚ እዋን ወፊሩ ዘሎ ዓቃቢ-ሰላም፣ካብ‘ቲ ቅድሚኡ ዝወፈረ ሓይሊ ዝሓሸ ስራሕ ንከምዝግብ ኣምነስቲ ፀዊዑ።

ዝሓለፈ ግንቦት ሰራዊት ሱዳንን ምስኡ ዝወገኑ ምልሻታትን ናብ ዞባ ኣበዪይ ኣትዮም ንኣባይቲ ኣባሪዖም፣ንሹቃት ዘሪፎም፣ዓቅሚ ዝነበሮ ሰብ ካብ‘ቲ ከባቢ ንክሃድም ገይሮም‘ዮም።ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ሰባት ተፈናቂሎም።

እዚ ኩሉ ህውከት ዝተፈፀመ ዓቃቢ-ሰላም ሕ/መ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ‘ዩ። ላዕለዋይ መርማሪ ኣምነስቲ ዶናቲላ ረቪራ፣ንተራ ዓቃቢ-ሰላም ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል፣

“ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እግሮምን ኢዶምን ኣጣሚሮም‘ዮም ይዕዘቡ ነይሮም።ሕፅረት ሰብ ድዩ ኣጋጢምዎም ወይካኣ ሕፅረት ናውቲ ዝፍለጥ ነገር የለን።እቲ ንፁር ኮይኑ ዘሎ፣ሙሉእ ህዝቢ ኣበዪይ ተፀሪጉ ንክወፅእ ፈቂዶም‘ዮም” ትብል ረቪራ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ግና ሓድሽ ሓይሊ ዓቃቢ-ሰላም ሕ/መ ናብ ኣበዪይ ተዋፊሩ‘ሎ።ህዝቢ ኣበዪይ ናብ ሓደጋ ዘውድቅ ህውከት እንተላዒሉ፣እቲ ዓቃቢ-ሰላም ሓይሊ‘ውን ንክጥቀም ስልጣን ተዋሂብዎ‘ሎ።እቲ ዝወፈረ ዓቃቢ-ሰላም መሊኡ ናብ ኣበዪይ ክኣቱ ከሎ ዝህልዎ በዝሒ ሰራዊት 4,200 ክኸውን‘ዩ።

ሚስተር ሮቪራን ካልኦት ሓለፍቲ ኣምነስቲን፣ነቶም ነበርቲ ኣበዪይ ዝነበሩ ተፈናቀልቲ በፂሖምዎም‘ለው።ኣምነስቲ ከምዝበሎ፣ገለ ሰባት፣ክምለሱ ዘኽእል ሃዋሁ ተፈጡሩ እንተኾይኑ ንምግምጋም ናብ ኣበዪይ ተበጊሶም‘ለው፣ መብዛሕተኦም ተፈናቀልቲ ግና ኩነታት ፀጥታ ዘተኣማምን ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዎም።

ብክልቲኦም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ዝተቀብሩ ነተጉቲ፣ምንጪ ስግኣት ኮይኖም ኣለው ይብል እቲ ሪፖርት።

ድሕሪ ናፅነት ደቡብ ሱዳን፣ዞባ ኣበዪይ ንክልቲኤን ሱዳን ዘሰሓሕብን ፍታሕ ዘይረኸበን ግዝኣት ምኻኑ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG