ብሰንሰለታዊ መስርሕ ክሲ ፕረዚደንትን መሰጋግሪ ፕረዚደንት እትናወጽ ዘሎ ደቡብ ኮርያ፡ ሎሚ ዓርቢ’ውን ሓድሽ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ሸይማ ኣላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ንሰዓታት ዝጸንሐ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ሕጊ ፕረዚደንት ነበር ዩን ኰይኑ፡ ንዕኡ ዝተክአ ሰብ’ውን ነቲ ቅልውላው ክመርሖ ስለ ዘይከኣለ ሎሚ ዓርቢ ኣሰሩ ስዒቡ ኣሎ ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ።
ሓገግቲ ኣካላት ደቡብ ኮርያ፡ ንግዜያዊ ፕረዚደንት ሃን ዱክ-ሱ ሎሚ ዓርቢ ከሲሱ ካብ መዝነት ፕረዚደንት ድሕሪ ምውራዱ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ መሪሑዋ ኣሎ። ሃን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ዩ ፕረዚደንት ዩን ሱክ የወል ካብ መዝነቱ ብኽሲ ድሕሪ ምውራዱ፡ ንዕኡ ተኪኡ ንኽልተ ሰሙናት ጥራይ መዝነት ሒዙ ጸኒሑ።
ሃን ካብ መዝነቱ ዝወርድ ዘሎ ንኽሲ ፕረዚደንት ነበር ዩን ፈሪሙ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሉ ምሕላፍ ስለ ዝኣበየ’ዩ።
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተዋሃበ መስርሕ ምውሃድ ድምጺ፡ ካብቶም 192 ኣባላት ፓርላማ ምሉእ ብምሉእ 192 ንመሰጋገሪ ፕረዚደንት ሁን ካብ መዝነቱ ንምውራድ ድምጾም ሂቦም።
እንተዀነ ኣብ እዋን ምውሃድ ድምጺ ሰልፊ ሃንን ዩንን ዕግርግር ፈጢሮም ነይሮም።
ናይ ሎሚ ዓርቢ ካብ መዝነት ምውራድ፡ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኮርያ ንመሰጋገሪ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።
ቅጥዒ