ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት ኲናት ደቡብ ኮርያ ብጌጋ ቦምባታት ደርብያ፡ ሲቪላውያን ኣቝሲላ


ነፋሪት ኲናት ደቡብ ኮርያ ብጌጋ ቦምባታት ደርብያ፡ ሲቪላውያን ኣቝሲላ
ነፋሪት ኲናት ደቡብ ኮርያ ብጌጋ ቦምባታት ደርብያ፡ ሲቪላውያን ኣቝሲላ

ኣብ ልምምድ ዝነበራ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ደቡብ ኮርያ፡ ፖቸን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብራርቲ ብጌጋ ሸሞንተ ቦምባታት ኣብ መንበሪ ከባቢ ድሕሪ ምድርባዮም ብውሑዱ 15 ሲቪላውያን ቆሲሎም። ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ቦታ ካብቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝዳወብ ኣዝዩ ጽዑቕ ሓለዋ ዝርከቦ ድፋዕ ኣስታት 25 ማይላት ዝርሕቕ’ዩ።

ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣብቲ ቦታ ዝግበር ወታሃደራዊ ልምምድ ንመነባብሮኦም ኣዝዩ ከም ዘሰናኸሎ ክገልጹ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ በዚ ዝደሓረ ኣጋጣሚ ድማ ተቓውሞኦም የዛይዱ ኣለዉ።

ሓይሊ ኣየር ደቡብ ኮርያ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ እኹል ምጽራይ ክሳብ ዝግበር ወታሃደራዊ ልምምድ ነፈርቲ ኲናት ደው ንኽብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG