ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኮርያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምህርቲ ሩዝ ዘለወን ጽግዕተኝነት ንምጉዳል ከምትሕግዝ ተፍልጥ


South Korean Agriculture Minister Chung Hwang-keun speaks during an interview with Reuters in Seoul
South Korean Agriculture Minister Chung Hwang-keun speaks during an interview with Reuters in Seoul

ደቡብ ኮሪያ ናይ ሩዝ ምህርተን ንምድንፋዕን ካብ ወፃኢ ሃገራት ዘእትውኦ መጠን ሩዝ ንምጉዳል ምስ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ተዳልያ ምህላዋ ሚንስተር ሕርሻ'ታ ሃገር ቹንግ ህዋንግ-ከውን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊፆም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ይኦል ፖሊስ ወጻኢ ጉዳያት'ታ ሃገር ንምምሕያሽን ኣብ መላእ ዓለም ዝያዳ ንጡፍ ግደ ዘለዋ "ዓለምለኻዊ ወሳኒት ሃገር" ንምግባርን ቃል ኣብ ዝኣተውሉ እዋን እዩ።

ሚንስተር ቹንግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ"K-Ricebelt Project’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ፕሮጀክት ደቡብ ኮሪያ ኣብ ጋና፣ ጊኒ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ጋምቢያ፣ ሰኔጋል፣ ካሜሮን፣ ኡጋንዳን ኬንያን ምስ ከባቢያዊ ኩነታት ዝጠዓዓምን ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ካብ ዝፈርይ ብክልተ ሰለስተ ኢድ ዝበለፀ ንምፍራይ ዘኽእሉ መሳለጥያታት ክትሃንጽ እያ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበፅሕሉ ግዜ ሰበስልጣን ዓብይ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆምለይ እዮም ኢሎም።

ሩዝ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ቀንዲ መግቢ እዩ። ናይ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ግን ን60 ሚእትዊት ድልየት ጥራሕ እዩ ዘማልእ።

እቶም ሚንስተር ሕርሻ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝቕፅል ኣርባዕተ ዓመታት ልዕሊ 100 ቢሊዮን ዎን ወይ 77 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ናይ መግቢ ፕሮጀክት ንምምዋል ሃገሮም ምውጣና'ውን ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስተራት እተን ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቕፅል ሰኑይ ነቲ ስምምዕ ንምፍራም ናብ ደቡብ ኮርያ ክገሹ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG