ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና፡” ካብ መዝነቱ ዝወረደ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር


ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዩወል ንትእዛዝ ማእሰርቲ ብምቅዋም ዘካየድዎ ሰልፊ - 31 ታሕሳስ 2024
ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዩወል ንትእዛዝ ማእሰርቲ ብምቅዋም ዘካየድዎ ሰልፊ - 31 ታሕሳስ 2024

ካብ መዝነቱ ብኽሲ ብልሽውና ዝወረደ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዩወል፡ ነቶም ገዛኡ ንምፍታሽን ካብ ቤት ፍርዲ ንዝወረደ ትእዛዝ ማእሰርቲ ንምፍጻምን ናብ ገዛኡ ዝመጽኡ ኣባላት ፖሊስ ብሓለዋታቱ ከልኪሉል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብቲ ተዓጽዩሉ ዘሎ ቦታ ኰይኑ ንደገፍቱ የባራትዕ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ነቶም ንገዛኡ ከቢቦም ዘለዉ ኣዝዮም ዓቃባውያን ደገፍቱ፡ “ጸረ ሃገር ሓይልታት” ኢሉ ንዝጸውዖም ወገናት “ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና፡” ኢሉ።

ጠበቓታት እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቶም ንምእሳሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ሰብ-መዚ ብሓለዋ ፖሊስ እቲ ፕረዚደንት ነበር ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ ኣለዉ።

እቲ ናይ ትእዛዝ ማእሰርቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብመርመርቲ ወገናት ተሓቲቱ ክምልስ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ጻውዒት ዕሽሽ ድሕሪ ምባሉ’ዩ፡ ሓሊፉ።

እቲ ብ3 ታሕሳስ 2024 ብዘሕለፎ ሓጺር ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ካብ መዝነቱ ወሪዱ ዘሎ ፕረዚደንት ነበሩ ዩን ሱክ ዩወል፡ በቲ ተኸስሲሱሉ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ገበነኛ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ካብ ሕልፈት ክሳብ ፍርዲ ሞት ይጽበዮ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG