ተቓወምቲ ሰልፍታት ደቡብ ኮርያ ፕረዚደንት ዩን ሱክ የዎል ሃንደበታዊ ኣዋጅ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ድሕሪ ምሕላፉ፡ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።
እቲ ፕረዚደንት ሰሉስ ምሸት፡ “ካብ ጎረቤት ሃገር ሰሜን ኮርያ ሓደጋ ኵሉንታዊ ወራር የንጸላልው ስለ ዘሎ ንድሕነት ሃገርን ህዝቢን” ኢሉ ብዝጸውዖ ነቲ ኣዋጅ ከም ዘሕለፎ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ድማ ካብ ውሽጢ እታ ሃገርን ተቓወምቲ ወገናትን “ሓደገኛ ተርእዮ” ኢሉ ዝገለጾ ብድሆታት ይገጥሞ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ድሕሪ ኣዋጅ ፕረዚደንት ዩን፡ ምሉእ ዕጥቂ ኲናት ዝዓጠቑ ወታሃደራት እታ ሃገር ብሄሊኮፕተራት ተሰንዮም ሰላማዊ ሰልፊ ንዝገብሩ ዜጋታት ክብትኑ ተጓይዮም።
እንተዀነ ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰዓታት ውዱቕ ገይሮሞ።
ተቓወምቱ፡ ፕረዚደንት ዩን ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝካይድ ዘሎ መርመራ ገበን ንምህዳም'ዩ ነቲ ኣዋጅ ኣሕሊፉ ኢሎም ይኸሱ።
ፕረዚደንት ዩን ካብ መዝነቱ ንምእላይ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ድምጺ ኣባላት ፓርላማን ብውሑዱ ሽዱሽተ ካብቶም ትሽዓተ ደያኑ ጠቓላሊ ቤት ፍርዲ የድሊ። እንተዀነ ጥምረት ክልተ ሰልፍታት ነቲ ፕረዚደንት ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝሓታ ዘለዋ ኰይነን፡ ዓርቢ ድማ ድምጾም ክህቡ’ዮም።
ቅድሚኡ ግን ላዕለዋይ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪን ሚኒስተር ምክልኻልን እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ቅጥዒ