ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ደቡብ ኮርያ ናይ መገሻ እገዳ ተነቢርሉ


ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዪኦል - ፋይል
ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዪኦል - ፋይል

ሚንስትሪ ፍትሒ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዪኦል ናይ መገሻ እገዳ ጌሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዛዕባ`ቲ ዝኣወጆን ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐን ወተሃደራዊ ምሕደራ ምርመራ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን `ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ብተቓወምቲ ዝተመርሐ እማመ ክሲ ምውራድ ስልጣን ንስክላ እንተኣምለጠ`ኳ፡ እቲ ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክስረዝ ግን ኣባላት ናቱ ሰልፊ ከይተረፉ`ዮም ድምጺ ሂቦም። ተቓወምቲ ግን ሕጂ`ውን ነቲ ክሲ ክንቅጽለሉ ኢና ይብሉ`ለዉ።

ፕረዚደንት ዩን ካብ ሃገር ከይወጽእ ኣብ ዝተኣገደሉ እዋን፡ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ`ውን ክውሰደሉ ከም ዝኽእል ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ። ሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ፖሊስ “ኩነታት እንተተማሊኡ ክእሰር ይኽእል`ዩ” ክብል ንሪፖርተራት ተዛሪቡ'ሎ።

ኣባላት ፓርላማ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ክኽሰስ ኣይክእል`ዩ ዝብል ሕጊ እንተሎ`ኳ፡ ካብ ክሕደት ሃገርን ምልዕዓል ናዕቢን ዝብሉ ክስታት ግን ዘድሕን ኣይኮነን ይብሉ ።

ነቲ እወጃ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሓሳብ ዝሃበ ዝተባህለ ሚንስተር ምክልኻል ካብ ስልጣኑ ወሪዱ`ሎ። ካልኦት ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ስርሖም መዝነቶም ተላኢሎም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG