ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ደቡብ ኮርያ መሸጣ ስጋ ከልቢ ንምኽልካል ውሳነ የሕሊፉ


ተቃውሞ ንምብላዕ ስጋ ኣብ ደቡብ ኮርያ - ፋይል
ተቃውሞ ንምብላዕ ስጋ ኣብ ደቡብ ኮርያ - ፋይል

ፓርላማ ደቡብ ኮርያ፡ ንመስባሕቲ መሸጣን ስጋ ከልቢ ዝኽልክል ሕጊ የሕሊፉ። እቲ ፓርላማ ካብ ተሓለቕቲ መሰል እንስሳታትን ምስሊ እታ ሃገር ብምምሕያሽን ዝወሰዶ ስጕምቲ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ይሕብር። እንተዀነ ንማሕረድቲ ስጋ ከልቢ ዘፍርዩ ሓረስቶት ነቲ ውሳነ ንሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝጥሕስ’ዩ ክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።

እቲ ኣብ 2027 ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበርሉ ፓርላማ ዘሕለፎ ሕጊ፡ ምርባሕን ምፍራይን ኣኽላባት ንስጋ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ’ዩ። እቲ ሕጊ ብዛዕባ መሸጣ ደኣ ይዛረብ እምበር፡ ስጋ ከልቢ ንዝበልዑ ዜጋታት ግን ኣይቀጽዕን።

ዝበዝሑ ደቡብ ኮርያውያን ምብላዕ ስጋ ከልቢ ደው ክብል ዝሓቱ ምዃኖም እቲ ዜና ይውስኽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG