ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ጓሓፍን ሙዚቃን ይሳደዳ


ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተዓቝቡ ጉጅለ፡ ካብ ዶባት ኣስታት 25 ኪሎ-ሜተር ርሒቖም፡ ኣብ ባሉን (ፍሕኛ)፡ ኣብ መኸዘኒ ድምጺ ሙዚቃ ቀሪጾም ናብ ሰሜን ኮርያ ምልኣኽ ጀሚሮም ኣለዉ።

ክልተ ኮርያታት ንሓድሕደን ርክብ ስለ ዘይብለን፡ ብተደጋጋሚ እዋን ብመንገዲ ባሉን ኣቢለን ናይ ጎስጓስ መልእኽቲ ከም ዝሳደዳ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ሎሚ ሓሙስ ዝጀመረ ናይ ክልኩል ሙዚቃ ምልኣኽ ወፍሪ ፓርክ ሳንግ-ሃክ ዝተባህለ ሰሜን ኮርያዊ ዝመርሖ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሰነን፡ ሰሜን ኮርያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ጎሓፍ ዝመልአ ፍሕኛታት ናብ ደቡብ ኮርያ ምስዳዳ ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ነቲ ጓሓፍ ናይ ምልኣኽ መደብ ከተቋርጾ ምዃና ሓቢራ ዝጸንሐት ሰሜን ኮርያ፡ ዝኾነ በራሪ ወረቐት ካብ ደቡብ ኮርያ ምስ ዝድርበየላ ግን ክትቅጽሎ ምዃና ኣጠንቂቓ’ያ።

በቲ ጓሓፍ ዝመልኣ ባሉናት ዘንጸርጸረት ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምፍራስ፡ ወተሃደራታ ኣብ ከባቢ ዶብ ታዕሊም ጀሚራ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG