ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሃይማኖታዊን ሕልናዊን ተቓውሞ ጥሒሱ ከይፍጸም ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ወሲኑ


ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ
ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ

'ሃይማኖታዊ መበገሲን ሕልናዊ ተቃውሞን፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይምስታፍ ብቁዕ ምኽንያት ኮይኑ ተቐባልነት ክረክብ ከምዝግባእ' ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ሓሙስ ዘሕለፎ ብይን፣ ነቲ ብምኽንያት እምነቱ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይሳተፍን ዝበለ ናይ የሆዋ ምስክር፣ ገበነኛ እዩ ኢሉ ዝሓለፈ ውሳነ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዝሳዓረ’ዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ‘ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም መናእሰይ’ታ ሃገር፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተዋሓደ 2 ዓመት ከገልግሉ ኣለዎም’ ኢሉ ወሲኑ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናብ’ዚ ናይ ሎሚ ብይን ዝበቅዐ፣ ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር፣ ንሕልናዊ ተቃወምቲ ኣማራጺ ኣገልግሎት ክቕርበሎም ኣለዎ ዝብል ብይን ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ።

XS
SM
MD
LG