ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሉፅ ህያብ ደቡብ ኮርያ ንኢትዮጵያ ተመክሮኣ'ዩ ኢሎም ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ


ደቡብ ኮርያ 100 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ሓጊዛ

ደቡብ ኮርያ ንኢትዮዽያ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህባ ገሊፃ።መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝተረኸቡሉ መድረኽ ምልልውዋጥ ተመክሮ‘ውን ተሳሊጡ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ምምዝጋብ ይካኣል‘ዩ ኢሎም ከምኣብነት ካብ ዝጠቅሱወን ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ኮርያ’ያ።ንሶም ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘነኦም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝሃብዎ ሪኢቶ‘ውን ነዚ ሓቂ‘ዚ ዘንፀባርቅ‘ዩ።

”ንፕረዚደንትን ጉጅለታት ልኡኽን ሎሚ ድሕሪ ምሳሕ ከምዝገለፅኩሎም፣
እቲ ብሉፅ ህያብ ደቡብ ኮርያ ንኢትዮዽያ፣ተመክሮኣ‘ዩ።ደቡብ ኮርያ ድማ ኩለን ተመክሮታት ንክትልግሰና ተሰማሚዓ‘ላ” ኢሎም ኣቶ መለስ ዜናዊ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምልውዋጥ ተመክሮ ክልቲኤን ሃገራት፤መራሕቲን ላዕለዎት መራሕቲን ኮርያን ኢትዮዽያን ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ተሳሊጡ‘ሎ።ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንትሕዝቶ መደብ ምዕባለን ትራንፎርሜሽንን ኢትዮዽያ ንጉጅለ ኮርያ መግለፂ ሂቦም‘ዮም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊ ምዩንግ ባክ ብወገኖም፣ኢትዮዽያውያን ቅድሚ ስሳ ዓመት ኣብ ኲናት ኮርያ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ዝዝከረሉ ወቅቲ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝበለፀ ደረጃ ንምብፃሕ መሰረት‘ዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ሊ ሙዩንግ ባክ ”ስሳ ዓመት ኣቁፂሩ‘ሎ።እንተኾነ ንሃገርናን ንህዝብናን ዝኸፈልክምዎ ትብዓትን መስዋእትን ኣይንርሰዖን ኢና።ኣቀዲመ ከምዝጠቀስክዎ፣ ኢትዮዽያ ንኮርያ ንዝኸፈለቶ መስዋእትነት ኣዚና ኢና ነመስግን።ርክብና ናብ ልዑል ፅፍሒ ክብ ንምባል እዋኑ ከምዝኣኸለ‘ውን ይርደአኒ‘ዩ” ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ምዕባለ፣ደቡብ ኮርያ ምስ ኢትዮዽያ ናይ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ስምምዕነት ተፈራሪማ‘ላ።እቶም ፕረዚደንት ናይ ኢትዮዽያ መገሸኦም ዛዚሞም ትማሊ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

XS
SM
MD
LG