ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ስራሕ ዘይተመልሱ ሓካይም ደቡብ ኮርያ ፍቓዶም ክምጠሉ ምዃኖም መንግስቲ የጠንቅቕ


መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ነቶም ናብ ምዱብ ስራሖም ምምላስ ዝኣበዩ ጀመርቲን ተለማመድቲን ሓካይም፡ ኣብያኦም እንተቐጺሎም ንዝመጽእ ሰሙን ወረቐት ፍቓዶም ከም ዝምንጥሎም ኣፍሊጡ። ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ነቶም ንኣስታት ሓደ ወርሒ ስራሖም ደው ኣቢሎም ዘለዉ ኣስታት 13-ሽሕ ዝበጽሑ ሓካይም እታ ሃገር፡ ንውሳነኦም ዳግመ-ግምት ክገብሩሉን ክምለሱን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ካብቶም መምርሒ ፍቓድ ናይ ምምጣል ሓደጋ ዘንጸላሉዎም ሓካይም ግን ዛጊት ናይ ምምላስ ተርእዮ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን።

ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ጀመርቲ ሓካይም ደቡብ ኮርያ፡ መንግስቲ ናብ ትምህርቲ ሕክምና ዝኣትዉ ቍጽሪ ከዕብዮ ምዃኑ ድሕሪ ምንጋር ኣብ ኣድማ ዝርከቡ ሓካይም፡ ንጽላት ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው የእትዮሞ ምህላዎም ይገልጽ። ብሰንኩ ብኣማኢት ዝቑጸር መጥባሕታት ክሰጋገር ተገዲዱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG