ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኮርያ -- ልዕሊ 7-ሽሕ ሓካይም ኣድማ ስራሕ ደው ምባል ኣካይዶም


ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከቡ ሓካይም እታ ሃገር ንስራሓቶም ገዲፎም ይወጽኡ ብምህላዎም ኣብ በበይኑ ሆስፒታላት ዝግበር መጥባሕቲ ክደናጎይን ክትዓናቐፍን ከምዝኽእል ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነቲ ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ ሓካይም ንዝተመሓየሸ ክፍሊትን መነባብሮን ዝጠልቡ’ዮም።

ነቲ ዘጋጠመ ምትእጕጓል መደባት ንምግጣም፡ መንግስቲ ንወታሃደራዊ ሆስፒታል ንህዝቢ ከፊቱ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ምጅማሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ደቡብ ኮርያ፡ ንጋዜጠኛታት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ኣስታት 8,800 ጀመርቲ ዶክተራት፡ እቶም 7,800 ስራሓቶም ገዲፎም ምውጻኦም ገሊጹ። እቲ ኣሃዝ 71% ናይ ጠቕላላ ሓካይም'ታ ሃገር እዮም።

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ነቶም ኣድማ ዝገብሩ ዘለዉ ሓካይም ናብ ምዱብ ስራሓቶም ክምለሱ፡ እንተ ዘየሎ ግን ክሳብ ማእሰርቲ ዝኸይድ ስጕምቲ ክውሰዶም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG