ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ደቡብ ኮርያ ኣፍሪቃ ይቃናዕ ኣሎ


ደቡብ ኮርያ ዘተኣናገደቶ ፈላማይ ሓባራዊ ዋዕላ ደቡብ ኮርያን ኣፍሪቃን ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሲዎል ሎሚ ሰሉስ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ 25 መራሕቲ ሃገራትን ካብ 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ሰብ-መዚ ዝሳተፍሉ ዘለው ዋዕላ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሃገሮም ሓገዝ ንኣፍሪቃ ከምተስፍሕን ዘሎ ምትሕብባር ኣብ መዳይ መዓድናት ከምዘዕሙቕ ገሊጾም።

ኣፍሪቃ ካብ ናይ ዓለም ወሰንቲ መዓድናት 30 ሚእታዊት ትውንን።

ደቡብ ኮርያ ዝዓበየት ሸማቲት ነዳዲ፣ ዝዓበየት ኣፍራዪት ሰሚኮንዳክተር፣ ሓምሻይ ዝዓበየት ኣፍራዪት መካይን ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዩን ወሲኾም፣ ደቡብ ኮርያ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ሽዱሽተ ዓመታት ንኣፍሪቃ 10 ቢልዮን ዶላር መዲባ ከምዘላ’ውን ጠቂሶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG