ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 28 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ ብውሕዱ 28 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 191 ካልኦት ከም ዝቖሰሉ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እታ ነቶም ሰባት ተመላልስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ፍርቂ መንገዲ ምስ በጽሐት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ናብ ሓደ ሩባ ከም ዝጸደፈት ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን`ቲ ከባቢ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 46-ሺሕ ናይ መኪና ሓደጋ ከም ዘጋጠመን ብውሕዱ ህይወት 3-ሺሕ ሰባት ከም ዝጠፍአን መንግስታዊ መዝገብ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG