ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም


ሀዋሳ
ሀዋሳ

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ቆረ ወረዳ ጎርካ ቅድሚ ትማሊ ሰንበትን ትማሊ ሰኑይን ብዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ምቅታሎም ምምሕዳር እቲ ኸባቢን ነበርትን ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። ካብቶም ዝሞቱ እቶም ሰለስተ ትማሊ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2024 ዝተቀትሉ ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ብሰንበት ምቅታሎም ተሓቢሩ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወካሊ ብሄረ ኮሬ ዝኾኑ ዶክተር ኣወቀ ኣምዛዪ እቲ ኩነታት ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ ምብፅሑ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። መንግስቲ ደሕንነት ዜጋታት ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ምተገብኣ እንተኾነ ግን እዚ ኽከውን ኣይክ ኣለን ክብሉ'ውን ነቐፌታኦም የቕርቡ።

ይኹን እንበር ኣብቲ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ፀጥታን ኢያሱ ጂኦ አብ ወረዳ ገላን ዝንቀሳቀሱ ዝበልዎም ዕጡቃት ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ መጥቃዕቲ ከምዘውርዱ ብምግላፅ መንግስቲ ስጉምቲ ይወስደሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ክፍሊ ሰላም ድሕነትን እቲ ዞባ ብዛዕባ እቲ መቅተልቲ ብምርግጋፅ ፈፀምቱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዮም ክብል ይወቅስ። ይኹን እምበር ምስቲ መጥቃዕቲ ተተሓሒዙ ሽሙ ናይ ዝፅዋዕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ኦዳ ተርቢ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ተመሳሳሊ ክሲ ዕጡቃቶም ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ ገሊፆም ነይሮም።

ነቲ ዝቀረበ ርእይቶ ብምሓዝ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ድምፂ ኣመሪካ ንላዕለዎት ሰበስልጣናት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ፈተነ ስልኪ ኣይተዓወተን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG