ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃድያ፤ 'ደሞዝና ይከፈለና' ብምባሎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተፈቲሖም


ባዶዋቾ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ክልል ሃድያ፣ መሃያና ኣብ እዋኑ ይከፈለና ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሎሚ ሎሚ ሰሉስ 6 ሰነ 2023 ከምዝተፈትሑ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

እቶም ምክንያት መእሰሪኦም ከይተገለጸሎም ን49 መዓልታት ዝተኣሰሩ 19 ሰባት፣ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ጭብጢ ዝተመስረተ ክሲ ስለዘየቅረበ ንክፍትሑ ከምዝተገበረ’ውን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ፤እንተኾነ ጭብጢ ምስ ዝርከብ ክሲ ክምስረቶም ከምዝኽእል ኣብ ስምምዕ በጺሖም ከምዝተፈትሑ ውን እቶም ዝተፈትሑ ውልቀሰባት ሓቢሮም ኣለው።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቅ ባዶዋቾ ኣቶ ኣብራሃም መጫ ብወገኖም እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣይተዛዘመን፣ ኣብ መስርሕ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ክሲ ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን ኢሎም።

ብጉልባብ መሃያ ይከፈለና ህውከት ኣልዒልኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቁጽሮም 40 ከምዝነበረን ኣቐዲሞም እቶም ካልኦት ከምዝተፍትሑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሃዋሳ ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG