ዋሽንግተን —
ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ሓዲሽ ዝተመስረተ ካቢነ መንግስቲ ሃገራዊ ጥምረት ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ይህቡ`ለዉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ምርጫ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ዘይክኣለ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ- ኤ-ኤን-ሲ ናይ ጥምረት መንግስቲ ድሕሪ ምቛሙ`ዩ።
በዚ መሰረት ኣብቲ ሎሚ ዝተገልጸ መዝነት ካቢነ፡ መራሒ ተቓወምቲ ደሞክራቲ ኣላያንስ ዝኾነ ጆን ስቲንሁሰን ሚንስተር ሕርሻ ኮይኑ ተመዚዙ`ሎ።
ብዛዕባ ኣቃውማ`ቲ ሓዲሽ ካቢነ፡ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊኦም ብኣወንታ ክርእይዎ ከለዉ ገሊኦም ድማ ዕቃበ ኣርእዮም ኣለዉ።
ድሕሪ ምውዳቕ ኣፓርታይድ ስልጣን ዝሓዘ ገዛኢ ፓርቲ ኤ-ኤን- ሲ፡ ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ንመጀምርያ ግዜ `ዩ ኣብ ባይቶ ዓብላልነቱ ክስእን ክኢሉ።
ቅጥዒ