ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካ ዘንበረቶ እገዳ ጉዕዞ ከም እተልዕል ኣፍሊጣ


ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ስሪል ራማፎዛ ጭቡጥ ምንቁልቃል ኮሮናቫይረስ ስለዝተርኣየ ካብ ሓደ ጥቅምቲ ጀሚሩ ካብን ናብን ደቡብ ኣፍሪካ ጉዕዞ ከምዝጅመር ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም።

ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ ካብ ዘዘይብለን ሃገራት ዝመፁ በፃሕቲ 72 ስዓታት ዘይሓለፎ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ምግባሮም መረጋገፂ እንተቕሪቦም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ክኣትው ክፍቀደሎም እዩ።

ብቴሌቪዥን ኣብዝመሓላለፉዎ መልእኽቲ ራሞፋሳ ተጎዓዝቲ ምርመራ ኮቪድ-19 ምግባሮም መረጋገፂ ዘየቕርቡ እንተኾይኖም ቅቡል ውፅኢ ምርመራ ክሳብ ዘቕርቡ ተወሺቦም ክፀንሑ እዮም ኢሎም።

ደቡብ ኣፍሪካ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣብ መጋቢት ነይራ ናይ ጉዕዞ እገዳ ዘንበረት። ዛጊድ ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 653,000 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 15,000 ድማ ዝሞቱ መዝጊባ ኣላ።ኣብ ኣፍሪካ በብዝሒ ኮሮናቫይረስ ቅድሚት ትስራዕ።

ብመሰረት ሓዱሽ መምርሒ ክሳብ 250 ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ክሳብ ሓሙሽተ ምእቲ ሰባት ድማ ካብ ኣዳራሽ ወፃኢ ክእከቡ ይኽእሉ ኢሎም ራማፎሳ።

XS
SM
MD
LG