ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባርዕ ጫካ ካናዳ ይቕጽል፡ ትኪ ክሳብ ኤውሮጳ ይበጽሕ


ንሓያሎ ቦታታት ካናዳ ሸፊኑ ዘሎ ባርዕ ጫካ ንምጥፋእ፡ ካብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝነቐሉ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብቲ ስራሕ ይዋፈሩ ኣለዉ። እቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሓገዝ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ እዋን ዕረፍቶም ንርእሶም መበራትዒን ነቶም ነባሮ መዘናግዒን ክደርፉን ክስዕስዑን ይረኣዩ።

ካናዳ እቲ ባርዕ ካብ ቍጽጽር ዓቕሚ ሰብ ወጻኢ ብምዃኑ፡ ካብ በበይኑ ሃገራት ሓገዛ መጥፋእቲ ሓዊ ትሓትት ዘላ ኰይና፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሰብ-መዚ ዛጊት ኣጋጢሞም ካብ ዘለዉ ባርዕ ጫካታት እቲ ዝበርትዐን ዝኸፍአን ምዃኑ ገሊጾም።

ማእከል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ትኪ ናይቲ ኣብ ኲበክ ዝተወልዐ ባርዕ ጫካ ክሳብ ኤውሮጳ ምብጻሑ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 638 ባርዕ ጫካ ዘሎ ኰይኑ፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብኣቶም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ተባሂሎም ይጥቀሱ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ በበይኑ ቦታ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ፡ ዛጊት ኣብ ምሉእ ካናዳ 34-ሽሕ ማይላት ወይ ድማ 88-ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍራ ተቓጺሉ ኣሎ። እዚ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ35 ሚእታዊት ዝዓቢ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG