ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሰሪል ራማፎዛ ኣብ መንጎ ፖሊስን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ጎድጓድ ዘለዉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ማዕድን ዘውፅኡ ዝነበሩን ዘሎ ምፍጣጥ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ክኸዉን የብሉን ብምባል ንድሕነት እቶም ተቐርቒሮም ዘለው ፀዊዖም።
ፖሊስ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ማዕድን ዘውፅኡ ዝነበሩ ንኽወፁን ንኽእሰሩን ንምግዳድ ንመስመር መግብን ማይን ዝረኽብሉ መንገዲ ዓፅዮም’ለዉ።
እቶም ዘይሕጋውያን ማዕድን ዘውጽኡ ሰባት ናብቲ ሰብ ዘይብሉ ቦታ ማዕድን ብምእታው ተረፍ መረፍ ወርቂ እንተረኸቡ ብምባል’ዮም ናብቲ ጎዳጉዲ ኣትዮም። እዚ ተግባር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝውቱር ኮይኑ ፀኒሑ’ዩ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ጎዳጉዲ ከም ዝወፁ ዝገለፀ ፖሊስ ገና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብቲ ጎዳጉዲ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ’ዩ።
ፕረዚደንት ራማፎዛ ንሓደ ጋዜጣ ከም ዝበልዎ እቲ ኩነታት ሓደገኛን ናብ ህውከት ክቅየር ከምዝኽእል ገሊፆም’ለዉ። ፖሊስ ንመሰል’ቶም ሰባት ከይግህስ ዝፀውዑ ራማፎዛ ነቶም ዘይሕጋውያን ማዕድን ዘውጽኡ ሰባት ብደሓን ከውፅእዎም ሓላፍነት ኣለዎም ኢሎም’ለዉ።
ቅጥዒ