ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ -- ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ዓብላሊ መናብር ኣይረኸበን፡ ንልፍንታዊ መንግስቲ ክግደድ’ዩ


ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣፓርታይድ ንደቡብ ኣፍሪቃ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክመርሕ ዝጸንሐ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ወግዓዊ ዝዀነ ውጽኢት ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ 40% ድምጺ ጥራይ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ 57.5% ድምጺ’ዩ ረኺቡ ነይሩ።

ኣብቲ ምርጫ፡ ደሞክራሲያዊ ሕብረት (DA) 21 ሚእታዊት ብምርካብ ካልኣይ ስዒቡ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓብላሊ ሰልፊ፡ ልዕሊ 50% ድምጺ ክረክብ ስለ ዘድሊ’ሞ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ነቲ ዝደል መጠን ስለ ዘየመዝገበ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ክግደድ’ዩ።

ፕረዚደንት ሲሪዩል ራማፎዛ ካልኣይ እብረ ፕረዚደነትነት ክቕጽል እንተዀይኑ ምስ ካልእ ሰልፍታት ልፍንታዊ መንግስቲ ምስ ዝምስርት ጥራይ’ዩ። ፕረዚደንት ራማፎዛ “ድምጺ ህዝቢና ሰሚዕና ኣሎና፡ ፍልልይና ኣኽብሪና ንናይ ሓባር ሸቶ ክንሰርሕ የድሊ፡” ኢሉ።

ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ፈላሚ ርክብ ክገብር ስለ ዝዀነ ድማ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ክጓየ ከም ዘድሊ ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG