ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ -- ልፍንታናዊ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ትቀራረበሉ፡ ገለ ወገናት ድልውነት የርእዩ


ምድላው ንፈላማይ ርኽብ ፓርላማ ኣብ ከተማ ኬፕታውን
ምድላው ንፈላማይ ርኽብ ፓርላማ ኣብ ከተማ ኬፕታውን

ሰልፊ ናጽነት ኢንካታ (IFP) ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ (ANC) ወይ ድማ ደሞክራሲያዊ ሕብረት (DA) ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ዘለዎ ድሉውነት ገሊጹ። ንደቡብ ኣፍሪቃ ንሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ውድቀት ኣፓርታይድ ዝመርሐ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ናይ 29 ግንቦት 2024 ምርጫ ዓብላሊ መናብር ስለ ዘይረኸበ፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ተገዲዱ'ሎ።

ሓድሽ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ጽባሕ ዓርቢ ፈላሚ ርክቡ ክግበር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እምበኣር’ዩ እዚ ብተወላዶ ብሄረ ዙሉ ዝዕበለል ዓቃባዊ ሰልፊ ናጽነት ኢንካታ ምስ ሓዲኡ ወገን ሕብረት ክምስት ዘለዎ ቅሩብነት ዝገልጽ ዘሎ።

ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ምስቲ ብጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝዕብለለን ሊበራላዊ ቍጠባዊ መስመር ዝኽተልን ደሞክራዊስያዊ ሕብረት ልንፍቲ ምምስራት ኣትሪሮም ይቃሙዎ። ሕጂ እምበኣር ቅሩብነት እዚ ሰልፊ ነቲ ዘሎ ወጥሪን ከህድኦ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ዓርቢ ንፈለማይ እዋን ፓርላማ ቅድሚ ምርኻቡ ሰልፍታት ክሰማምዓ ስለ ዝግደዳ ምስ ግዜ ኣብ ቅድድም’የን ዘለዋ። ፕረዚደንት ሲሪዩል ራማፎዛ ደጊሙ ክምረጽ ምዃኑ ብዙሓት ይኣምኑ። ካልኦት ከም ኣፈ-ጉባኤን ምኽትል ፕረዚደንትን ዝኣመሰሉ ቦታታት ግን ካብቲ ዓብላሊ ዝጸንሐ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ክዀኑ ትጽቢት ይገብር። ነዚ ስፍራ’ዚ ንምምላእ ድማ ሰብ-እጀታ ዘተ ክግበሩ ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG