ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ነቲ ኣባሉ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ገዲፉ ንኻልእ ድጋፉ ስለ ዘርኣየ ኣባልነቱ ተሰሪዙ።
እዚ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ሲሪይል ራምፎዛ ዝተገብረ ካብ ሰልፊ ምብራር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ምትፍናን ዘዕቢ ምዃኑ ይግመት።
ዙማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ እቲ ሰልፊ’ዩ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ድምጹ ንኻልእ ሰልፊ ክህብ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) “እቲ ተግባር ኣንጻር ቅዋምን ሕግታትን ዝኸይድ ዘየሓላፍነታዊ” ክብል ነቒፉን ኣባልነቱ ሰሪዙን።
ጃኮብ ዙማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ብልሽውና ዝተሓሓዝ በበይኑ ክስታት ኣብ ምክርኻር ይርከብ። እቲ ክስታት ቅድሚ 20 ዓመታት ምኽትል ፕረዚደነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈጺሙዎ ዝብሃል’ዩ።
ቅጥዒ