ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ደቡብ አፍሪቃ ንተቃውሞ ተማሃሮ ንምብታን አደንዛዚ ጥይት ተጠቒሙ


South Sudan Protest
South Sudan Protest

ፖሊስ ደቡብ አፍሪቃ ወሰኽ ክፍሊት ትምህርቲ ብምቅዋም አብ ትካላት መንግስቲ ተቃውሞኦም ዘስምዑ ተማሃሮ ንምብታን አደንዛዚ ጥይት ተጠቒሙ።

ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ዙማ ብወገኑ ነቲ ቅልውላቅ ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ እቲ ተቃውሞ ዝኮኑ ተማሃሮን ሰበ ስልጣን ክፍሊ ትምህርቲ እታ ሃገርን ምርኻቦም ገሊጹ’ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ዝጀመረ ተቓውሞ ተማሃሮ 14 ዩኒቨርሲታት ተዓጽየን ኣለዋ።

ዋጋ ትምህርቲ አብ ዝለዓለ ትካላት ትምህርቲ ደቡብ አፍሪቃ አሽሓት ዶላር ክኸውን ከሎ ዋጋ መጽሓፍትን ካልኦት ንትምህርቲ ዘድልዩ ወጻኢታትን ተወሲኹ ካብ ዓቕሚ ተማሃሮ እታ ንላዕሊ’ዩ።

XS
SM
MD
LG