ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ -- 2.5 ኪሎሜተር ኣብ ዝዕምቈቱ ጉዳጉዲ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሑ ዓደንቲ


ደቡብ ኣፍሪቃ -- 2.5 ኪሎሜተር ኣብ ዝዕምቈቱ ጉዳጉዲ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሑ ዓደንቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:17 0:00

ደቡብ ኣፍሪቃ -- 2.5 ኪሎሜተር ኣብ ዝዕምቈቱ ጉዳጉዲ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሑ ዓደንቲ

ሰብ-መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብቶም ዘይሕጋውያን ኢሎም ዝጽውዑዎም ዓደንቲ ዝኣቱ ቀረብ ከቋርጽ ድሕሪ ምውሳኖም፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዓሰርተታት ሬሳታትን ዝማሰኑ ዓደንቲን ኣውጺኦም። ኣማኢት ግና ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዘለዉ ይግመት። ብዙሓት ከም ዝሞቱ ግምታት ኣሎ።

ሰኑይ ኣብ ዝጀመረ ስርሓት ህይወት ኣድሕን 60 ሬሳታትን 92 ኣዝዮም ዝማስኑ ዓድንቲን ካብ ትሕቲ መሬት ኣውጺኦም ኣለዉ። ኣብቲ ክሳብ 2.5 ኪሎሜተር ዝዕምቈቱ ጎዳጉዲ ክንደይ ብህይወት ከም ዘለዉ ፖሊስ ግምጋም ኣይሃበን።

እቲ መዐደኒ ማእከል ሰብ-መዚን ኮማውያን ዓደንቲን ኣብ ምጥማማት ዝጸንሑሉ ስፍራ’ዩ። ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዞም፡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ዝኣቱ ቀረባት መግቢን ማይን ደው ክብል መምርሒ ሂቦም። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ከምኡ ብምግባር ነቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ኣትዮም ዝነበሩ ዓደንቲ “ተዓብዒቦም ከም ዝወጽኡ ክንግበር ኢና፡” ኢሎም ነይሮም።

እንተዀነ እቲ ኣገባብ ካብቲ ማሕበረኮማትን ካልኦት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ነቕፌታ’ዩ ኣስዒቡ። ብሰንኪ ጥሜትን ጽምኢ ማይን ኣስታት 100 ካብቶም ዓደንቲ ከም ዝሞቱ ይእመን።

ኣቐዲሙ ናብቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለዉ ዓደንቲ ቀረባት ዝኣትወሉ ገመዳት ነይሩ። እንተዀነ በቲ ገመድ ገይሮም ክወጽኡ ዘይደለዩ ብዙሓት’ዮም። ንደገ ምስ ወጽኡ ክእሰሩ ምዃኖም ይሰግኡ።

ኣባላት ማሕበረኮም ንውሳነ መንግስቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዝሰዓሩዎ፡ ቀረባት መግቢን ማይን ክኣትዎም ቤት ፍርዲ ፈሪዱ። ተሓለቕቲ ግን እቲ ዝቐጸለ ቀረብ እኹል ዘይምዃኑ ይነግሩ።

ድሕሪ ዝተናውሐ ምትፍናን፡ እቶም ኣባላት ማሕበረኮም ባዕላቶም ዝመርሑዎ ስራሓት ህይወት ኣድሕን ጀሚሮም። እቲ መስርሕ ዝሓለፈ ዓርቢ እኳ እንተ ጀመረ፡ እኹል መሳርሒ ስለ ዘይነበረ ግን ከምቲ ዝተደልዮ ኣይከደን። ሰኑይ ከኣ መንግስቲ ተሓዊሱዎ፡ ሬሳታትን ዝማሰኑ ዓደንቲን ክወጽእ ጀሚሩ።

ኣባላት እቲ ማሕበረኮም እቲ መስርሕ ኣቐዲሙ እንተ ዝጅምር ብዙሓት ምደሓኑ ይብሉ ኣባላት እቲ ማሕበረኮም።

ኣብቶም ዓበይቲ ትካላት ማዕድን ዝገደፍኦም ስፍራታት፡ ዘይሕጋዊን ባህላዊን ዕደና ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልሙድ’ዩ። እቶም ባህላውያን ዓደንቲ፡ ኣብቲ ጎዳጉዲ ብምዕስካር ምፍሓሮም ይቕጽሉ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ብዙሓት ዓደንቲ መግቢ፡ ማይን ሓይሊ መብራህቲን ሒዞም ንውሽጢ ጉድጓድ ይኣትዉ። ዝበዝሕ እዋን ዘድሊ ተወሳኺ ቀረባት ካብቶም ብደገ ዘለዉ መሳርሕቶም’ዩ ዝኣትዎም። ንሳቶም ግን ኣብ ትሕቲ መሬት ኰይኖም ስራሓቶም ይቕጽሉ።

ቅድሚ ሎሚ መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ተደጋጋሚ ሃድን ገይሩ ብዙሓት ዘይሕጋውያን ዝበሎም ዓደንቲ ኣሲሩ’ዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ዜጋታት ወጻኢ ምዃኖም ሰብ-መዚ ይነግሩ። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተሓገዘ መስርሕ ምድሓን፡ ብዙሓት ስግኣት ስለ ዘለዎም ክወጽኡ ኣይደልዩን። እንተዀነ ኣብቲ 2.5 ኪሎሜተር ዝቝመቱ ጉድጓድ ካልእ ንምውጻእ ዝግበር ኣማራጺታት ተስፋ ዝህብ ኣይመስልን።

“ሓወይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ኣተወ ደሃዩ የብለይን፡” ትብል ዚንዚ ቶም። ካብ መንጎ’ቶም ድሒሮም ዝወጽኡ ግን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ’ቲ ጉድጓድ ከም ዝረኣዮን ኣዝዩ ሓሚሙ ከም ዘሎን ነጊሩኒ ትብል።

ካብ ውሽጢ ብቴለፎን ዝተቐርጸ ምስልታት ከም ዘርእዮ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ብጥሜትን ጽምኢን ሞይቶም ኣለዉ። እቲ ሬሳ ከይሽትት ብፕላስቲክ ጠቕሊሎም ከቐምጡዎ ኣብቲ ምስልታት የርኢ።

እቶም ብህይወት ዘለዉ’ውን ነብሶም ማሲኑ ይርአ።

ፖሊስ ነቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ን10 መዓልታት ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እቶም ዝወጽኡ ናብ ማእሰርቲ’ዮም ከምርሑ። ሰብ-መዚ እታ ሃገር’ውን ብህይወትን ጥዕናን እቶም ዓደንቲ ክንድቲ ተገዳስነት ዘሕደሩ ኣይመስሉን። ላፊት ካቢነ ሚኒስተራት ክዉምብዞ ንትሻቫኒ ኣብ ወርሒ ሕዳር“ገበነኛታት ኣይክንሕግዝን ኢና። ባዕላቶም ተዓብዒቦም ንደገ ክወጽኡ ኢዮም። ድሕሪኡ ናብ ፍርዲ ከነቕርቦም ኢና፡” ኢላ ኔራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG