ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎዳጉዲ ዕደና ብምጽናሕ ተቓውሞ ከርእዩ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ዕደና ደቡብ ኣፍሪቃ ምውጻእ ጀሚሮም


ፋይል
ፋይል

ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መዐደኒ ጎዳጉዲ ዝጸንሑ ዓደንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ገለ ካብኣቶም ክወጽኡ ምጅማሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

ጎልድ ዋን (Gold One) ዝተባህለ ትካል ዕደና፡ 400 ካብቶም ዓደንቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ተታሒዞም ምህላዎም ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ውሽጢ መዐደኒ ጎዳጉዲ ምጽናሕ ነቲ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ወጽዓ ንምቅዋም’ዩ።

እቶም ንተቓውሞ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሮም ዝቐነዩ ዓደንቲ፡ ሎሚ ሰኑይ ንደገ ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ምጽናሕ ኣጸጋሚ እናዀነ ምምጻኡ ኣመልኪቶም።

ተመሳሳሊ ኣብያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ዝተራእየ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ትካላት ዕደናን ሰራሕተኛታት ብዝተራእየ ዘይምርድዳእ፡ መራሕቲ እቶም ዓደንቲ ንኣስታት 500 ካብቶም ሰራሕተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ መሬት ክጸንሑ ከም ዝገበሩዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG