ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካዊያን ብዓል ነፃነቶም ኣኽቢሮም


ደቡብ ኣፍሪካዊያን ሃገሮም ፈላማይ ምሉእ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ዘካየደትሉን ኔልሰን ማንዴላ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመረፅሉን መበል 21 ዓመት ሎማዕንቲ ሰኒ ኣኽቢሮም።ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ፅልኢ ህውከት፣ሸቕሊ ኣልቦነ ብምኽንያት ሕፅረት መሰረታዊ ድልየታት ተቓውሞ ኣብዝሓየለሉን እዋን እዩ እቲ ብዓል ዝኸበር ዘሎ።ኣብዚ ናይ ነፃነት ዕለት መደረ ዘስምዑ ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ኣብ ህዝቢ ኣሎ ንዝበልዎ ኩራ እውን ኮኒኖም።:

ሎማዕንቲ ሰኒ ዝተኸብረ ብዓል ነፃነት ደቡብ ኣፍሪካ ብደርፊ፣ሳዕስዒትን ፖለቲካዊ መዝሙርን ዝተዓብለለ ነይሩ።ኣሽሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት እታ ሃገር ብምትእኽኻብ ንናይታ ሃገር ናይ 21 ዓመታት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ከሞጉሱ ውዒሎም ኣለው።

ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ኣብ ፕሪቶሪያ ኣብዝርከብ ቤተ መንግስቲ Union Buildings ንዝተኣከቡ ኣሽሓት ኣብዘስምዕዎ መደረ መንግስቶም ንሚሊዮናት ዜጋታት ማይ፣ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣቕሪቡ እዩ ኢሎም።

ዝበዝሕ መደርኦም ንህይወት ሸውዓተ ሰባት ዘጥፍአን ንኣሽሓት ወፃእተኛታት ዘመዛበልን ኣብ ቀረባ ንዝተፈፀመ ናይ ፅልኢት ህውከት ብምኹናን እዩ።

ፕሬዝዳንት ዙማ ሃገራት ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ዜጋታተን ንምንታይ ኣብ ሃገሮም ዘይነብሩ ዘለው ኢለን ክሓታ ኣለወን ክብሉ ነቒፎም።

ኣብ ዘለውና ናይ ባዕልትና ፀገማት ኣሓት ሃገራት እውን እናወሰኻሉ እየን ዝበሉ ንስሞም ብምስዓብ ‘’ዜጋትታ ንምንታይ እዮም ኣብ ሃገሮም ዘይነብሩ ዘለው?ኩሉ ንደቡብ ኣፍሪካ ይነቅፍ ኣሎ፤ግን እዞም ስደተኛታት እዚኦም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ክመፁ ዘገድዶም ዘሎ እንታይ እዩ?’’ኢሎም ይሓቱ።

ኣብ ጉዳያት ገበናትን ትሑት ቀረብ ኣገልግሎትን ንዝቐረቡ ተቓውሞታት ፕሬዝዳንት ዙማ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኮራዪ እዩ ኢሎም ብምግላፅ ካብ ናይታ ሃገር ዝሓለፈ ጭቆና ዝተፈጥረ ቁጠዐ ንምሕዋይ ሓገዝ ክሓቱ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ ቁጥዐ ኣሎ።ስነ-ኣእሙራዊ መድሓኒት የድለና።ኣብቲ ተራ ህዝቢ ጥራሕ ኣይኮነን፤ዋላ ኣብ ውሽጢ ፓርላማ እውን ሓሚምና ኢና ዘለና፤ክንፍወስ ኣለና እውን ኢሎም ብምውሳኽ።

ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪካዊያን ጠንቂ ተቓውሞታት ካሊእ እዩ ይብሉ።ኣብ ዝኽሪ ናይ ነፃነት በዓል ዝተሳተፉ ብዙሓት እታ ሃገር ካብ ዘመዝገበቶ ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ክንዲ ተረባሕቲ ንኸውን ተረሲዒና፤ብዝዓበየ ዝጥቀሙ ዘለው ፖለቲካዊ ልሂቃን እዮም ይብሉ።

ናይታ ሃገር መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት 24 ሚእታዊ እንተኸውን ካብ 54 ሚሊዮን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪካ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ይነብር።

ክፍሊት ትምህርቲ እውን እናንሃረ ይኸይድ ኣሎ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ብትሽዓተ ሚእታዊ ወሲኹሎ። ፖለቲከኛታት ንዞም ፈተናታት እዚኦም ፍታሕ እንተድኣ ዘይሂቦምሉ ዜጋታት ናብ ህውከት ክኣትው እዮም ይብል 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ሶሊ ማቩሶ።

ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ መንግስቶም ኣብ መናእሰይን ድኻታትን ደቡብ ኣፍሪካዊያን ዘሎ ስምዒት ምቑራፅ ተስፋን ምፅባብ ዓቕሊን ንኸብቅዕ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG