ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ን30 ዓመታት ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝመርሐ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ቃራና


ትማሊ ረቡዕ ድምጾም ዝሃቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ካብቲ ምስሊ ኔልሰን ማንዴላ ዝዀነ ሰልፊ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባይቶ (ANC) ክፋትሑ ዝደልዩ ይመስል ኣሎ። ዛጊት 16% ድምጺ ጥራይ’ዩ ተቖጺሩ ዘሎ። እቲ ድሮ ተቖጺሩ ዘሎ ድምጺ ግን ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ 42% ድምጺ ጥራይ’ዩ ረኺቡ። ጠቕላላ ውጽኢት ሰንበት ወግዓዊ ክኸውን’ዩ።

እንተዀነ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ ድምጺ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት እታ ሃገር ለውጢ ክግበር ከም ዝኽእል ዘመልክት’ዩ።

ካብ 62 ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት 28 ሚልዮን ንኸድምጹ ተመዝጊቦም። ኮሚሽን ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ኣድመጽቲ 70% ምንባሩ ይጠቅስ። ኣብ 2019 እቲ ቍጽሪ 66% ኢዩ ነይሩ። ኣብ ትሽዓተ ኣውራጃታት እታ ሃገር ልዕሊ 23-ሽሕ መድመጺ ንቝጣታት ነይሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓያሎ ዜጋታት ምስ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝፈላለዩሉ እዋን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ምርጫ ንላዕሊ ሃገራዊ ረፈረንዶም’ዮም ኢሎም ዝገልጹዎ ወገናት'ውን ኣለዉ።

ፕረዚደንት ሲሪዩል ራማፎዛ፡ ንሱ ዝመርሖ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ገና ዓብላሊ ምዃኑ ብምሉእ ምትእምማን ተዛሪቡ።

ዝበዝሕ ድምጺ ብሕጂ’ዩ ክቝጸር። እንተዀነ ካብቲ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ ድሕሪ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሊበራላዊ ቍጠባዊ ኣገባብ ዝድግፍ ሰልፊ ደሞክራሲያዊ ሕብረት 25% ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣንጻሩ ማርክሳዊ መርገጺ ዘለዎ፡ ብጁሌስ ማሌማ ዝምራሕ ሰልፊ ተቓለስቲ ሓርነት ድማ 8% ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ሰልፍታት 50% ድምጺ ምስ ዘይረክብ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ግድን ይኸውን።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሃገራዊ ቍጠባ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እንተዀነ ካብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ብሽቕለት-ኣልቦነትን ገበናትን ካብ ዝርኣየለን ሃገራት ኣብ ቅድም ከም እትስራዕ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG