ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ምርጫ ጀሚራ


ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደሞክራሳዊ ምምሕዳር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ጀሚራ ኣላ። ገዛኢ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ኣብዚ ሎሚ ዝጀመረ ምርጫ ዓብላልነት መናብር ክስእን’ዩ ዝብል ግምታት ብሓያሎ ዳህሳስ ርእይቶታት ህዝቢ ዘካየዳ ትካላት ይስማዕ ኣሎ።

ገለ ወገናት ፕረዚደንት ሲሪዩል ራማፎዛ ንኻልኣይ እብረ ስልጣን ዕድል ኣይክህሉዎን’ዩ ይብሉ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሰፊኑ ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና፡ ስራሕ-ኣልቦነት፡ ተደጋጋሚ ምጥፋእ ሓይሊ መብራህቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብምምሕዳር ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣዝዮም ሰልክዮም ምህላዎም ይጥቀስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ምምሕዳር ብኽሲ ብልሽውና ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየን ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ካብቲ ነዊሕ ዝሰርሓሉ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ገዲፉ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመስረቶ ኡምኮንቶ ወ ሲጽወ ወይ ብኣሕድሮ ቃላት “MK” ወኪሉ ይወዳደር ኣሎ።

ብዙማ ዝምራሕ ሰልፊ ኤምከይ ካብ 8%-14% ዝበጽሕ ህዝባዊ ድጋፍ ከም ዘለዎ ሮይተርስ ይጠቅስ።

ኣብዚ ምርጫ ንድምጺ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ክጫረቱ ትጽቢት ዝግበሮም፡ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝደፍእን ብጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ደሞክራሲያዊ ሕብረት (Democratic Alliance) ከምኡ’ውን ብጁሌስ ማሌማ ዝምራሕ ማርክሳዊ መርገጺ ዘለዎ ተቓለስቲ ቍጠባዊ ሓርነት (Economic Freedom Fighters)’ዮም። ተቓለስቲ ቍጠባዊ ሓርነት ምስ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃ ሃገራዊ ባይቶ ልንፍቲ ንምግባር ዘለዎም ድልውነት ክገልጹ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ሓያሎ ጠመትቲን ሰፊሕ ትጽቢትን ዘለዎ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ንምሕላፍ፡ እታ ሃገር ዓሰርተታት ኣሽሓት ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊራ ምህላዋ ሮይተርስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG