ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍደገ ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ኣውቶቡሳት ኣብ 77 ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ


ኣብ ኣፍደገ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሎሚ ሰሉስ 25 2023 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ክልተ ኣውቶቡሳት ብውሕዱ 77 ሰባት ቆሲሎም ካብኣቶም ሓሙሽተ ድማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ፖሊስን ሰብ መዚ መጓዓዝያን ገሊፆም ክብል ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ከባቢ ሰዓት 7:00 ቅድሚ ቀትሪ ከምዘጋጠመ ዝተሓበረ ሓደጋ፤ ሓንቲ ካብተን ኣውቶቡሳት ኣብ መንጎ ቀፅሪታት ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ ተማሃሮ ተጓዓዝ ዝነበረት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ መኪና ክትከውን ከላ እታ ካልእ ድማ ናይ ከተማ መጉዓዝያ ኣውቶቡስ እያ ነይራ።

ወሃቢ ቃል መጉዓዝያ ኣውቶቡስ ጉድዊል ሺቡሪ በቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞምን ኩሎም እቶም 77 ዝቖሰሉ ድማ ኣብ ሆስፒታል ምውሳዶም ገሊፆም።

ክልቲኦም መራሕቲ መካይን እውን ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ምዃኖም ሓቢሩ።

ወሃቢት ቃል ክፍሊ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ጆሃንስበርግ ዞላኒ ፊህላ ርዝነትን ዕቱብነትን'ቲ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ፖሊስ ብሸለልትነት ምዝዋር መኪና ኣመልኪቱ ክሲ ከምዝምስርት ሓቢራ።ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ግን ዛጊት ከምዘይተፈልጠ ፊህላ ገሊፃ።

ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ሰለስተ ተማሃሮኡ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG