መበል 25 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ይካየድ ኣሎ።መራሕቲ ኣብ ናይታ ኣህጉር ፈተናታት ፀጥታ፣ ብሜድትራኒያን ይሰግሩ ብዛዕባ ዘለው ስደተኛታትን ምምዕባል መሰረት ልምዓትን ትኹረት ክህቡሎም ትፅቢት ይግበር።
ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ምንስቴር ዓለምለኸ ርክባትን ምትሕብባርን ማይት ኒኮና ማሻቦኔ ኣብ ፕሮቶሪያ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ምጥፋእ ድኽነት ዝለዓለ ኣጀንዳ እዩ ምስበላ ኣስዒበን ’’መናእሰይ ወልዶና ንናይዛ ኣህጉር ብልፅግና ክሰርሑን መሰረታዊ ዝኾነ ቁጠባዊ ስግግር ብምምፃእ ድኽነት ፍፁም ብዝኾነ ኩነት ንምጥፋእን መዕጠቕና ሸጥ ክነብል ኣለና’’ኢለን።
ኣፍሪካ ብቕልጡፍ እያ ትምዕብል ዘላ።ኣብ ዓለም ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት የምፅኣ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ኣፍሪካ ይርከባ።ሕፅረት መንገድታት፣ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረታዊ ልምዓትን ግን ዕንቅፋታት ዕብየት ይኾኑ ኣለው።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር መሰረተ ልምዓትን ኢነርጂን ዝኾኑ ኢላሃም ኢብራሂም እዚ ኣጀንዳ እዚ እውን ኣብቲ ጉባኤ ዓብዪ ጠመተ ክወሃቦ እዩ ኢሎም።
ናይ ብሩንዲ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኲናት ደቡብ ሱዳንን እውን ክዝተየሉ እዩ።ኣብ ኬንያ፣ናይጀሪያን ሱማሊያን ከም ዝኣመሰላ ሃገራት የጋጥም ዘሎ ቃፃሊ ስግኣት ሽበራ እውን እቶም መራሕቲ ክመኽርሉ እዮም።
ብባሕሪ ሜድትራኒያን ኣቢሎም ንምስጋር ዝፍትኑ ኣሽሓት ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ይህወቶም ዝስእንሉ ዘለው ጉዳይ ስደት እውን ክዝረበሉ ኣጀንዳ ተታሒዙ’ሎ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ለውጥታት ንምግባር ኣብ ዝቐረቡ ሓሳባት ናይታ ኣህጉር መረገፂ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብዝብል ሰበስልጣን ክዝትይሉ እዮም።ብፍላይ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ታራን ደረጃን ውክልና ሃገራት ኣፍሪካ ፍሉይ ኣቓልቦ ክወሃቦ እዩ።
ገለ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ኣብ ዘርኢ ዝተመስረተ ህውከት ነቲ ጉባኤ ተሓሲመንኦ ንዝብል ካብ ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝሳተፋ መረጋገፂ ረኺብና ኢና፤መብዛሕቲኦም መራሕቲ ሃገራት እውን ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ እዮም ምሕሳም የለን ክብላ ሚኒስቴር ማሻባኔ መልሲ ሂበን።
መራሕቲ ሃገራት 14ን 15ን ሰነ 2015 ኣ/ፈ ምስተኣከቡ እቲ ጉባኤ ክዛዘም እዩ።