ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲይሪል ራምፓፎሳ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ክኾኑ ሸይምዎም


 ሓድሽ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲይሪል ራምፓፎሳ
ሓድሽ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲይሪል ራምፓፎሳ

ጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ምስ ወረዱ ፓርላማ እታ ሃገር ሲይሪል ራምፓፎሳ ሓድሽ ፕረዚዳንት ደቡብ ኣፍሪቃ ገይሩ ብወግዒ መሪፁዎም።

ራማፎሳ ብሕታዊ ሕፁይ ኮይኖም ብምቕራብ ብዘይ ድምፂ ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ተመሪፆም ኣለው።እቲ ዜና ብዋና ዓቃቢ ሕጊ ሞጎይንግ ሞጎይንግ ኣብ ፓርላማ ምስተገለፀ ኣብ ፓርላማ ኣባላት ANC ብመዝሙርን ሳዕስዒትን ታሕጓሶም ከምዝገለፁ ተፈሊጡ’ሎ።

ጃኮብ ዙማ ብመራሕቲ ገዛኢ ፓርቲ ክወርዱ ክሕተቱ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ካብ ስልጣኖም ለቂቖም።

ራማፎሳ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ይፅበይዎ።ሓደ ካብኦም ኣብ ደውታ ዝርከብ ቁጠባ እታ ሃገር ምህናፅ እዩ።ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ራማፎዛ ንዙማ ክትክእዎም ዝነበሮም ንሶም እንተኾኑ እውን ተቓለስቲ ንቁጠባዊ ነፃነት ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ቅድሚ እቲ ምርጫ ካብቲ ፓርላማ ወፂኦም መራሕቲ ናይቲ ውድብ ጁሊየስ ማሌማ ውድቦም ንቅቡልነት ምርጫ ራማፎሳ ድምፆ ምሃብ ከምዘይደልን ኣብ ክንድኡ እቲ ፓርላማ ተበቲኑ ሓድሽ ምርጫ ክካየድን ድልየቱ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG