ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ/ኣፍሪቃ ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክሓልፍ ትሓትት


ደቡብ ኣፍሪቃ: እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ስጉምቲታት ብምጥሓሳ ተወሳኺ ህፁፅ ስጉምታት ንክሓልፍ ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ምሕታታ እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ እስራኤል ብመሰረት ዓለምለኸ ውዕል ተግባር ምፅናት ዓሌት ክበሃል ዝከኣል ተግባር ካብ ምፍፀም ክትቁጠብን ወታሃደራታ ኣንፃር ፍልስጤማውያን ምፅናት ዓሌት ከም ዘይፈፀሙ ከተረጋግፅን ትእዛዝ ምሃቡ ይዝከር። ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንግስቲ ዝምራሕ ምፅናት ዓሌት ኣብ ቓዛ ይፍፀም’ሎ ብምባል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክሲ ድሕሪ ምቅራባ ይዝከር።

እስራኤልን መሻርኽታ ምዕራባውያንን ግን ነቲ ክሲ መሰረት ኣልቦ’ዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG