ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ናዕቢ ንምቍጽጻር ሰራዊት ተዋፍር


ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ ማእሰርቲ ምውጻኡ ግቡእ ኣይኰነን ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑን ናብ ማእሰርቲ ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ኣብ ዝዓበየሉን፡ ኣብታ ሃገር በበይኑ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳትን ምዕናው ንብረትን ይርአ ኣሎ።

ዛጊት 21 መካይን ጽዕነት ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻለን ድማ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ነቲ ማዕበል ንምህዳእ ኣብ ኣርባዕተ ኣውራጃታት እታ ሃገር ዓስኪሩ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ፖሊስ እቲ ንብረት ምቅጻልን ቁጠባ ምድኻምን ዝተወደበ ምዃኑ ይኣምን።

ምኽንያት ስእነት ጥዕና ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ዙማ፡ ነቲ ተሪፉዎ ዘሎ 13 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ተመሊሱ ክውድኦ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ትእዛዝ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ ዙማ ኣቐዲሙ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ብውሑዱ 350 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG