ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ኣፍሪካ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ክታበት ኮቪድ ምሃብ ጀሚራ


ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነበሩ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪዘይብሎም ስደተኛታት ክሳብ ሎሚ ክታበት ኮቪድ ንምርካብ ክፅገሙ ፀኒሖም ኣለው።እቲ መንግስቲ ብሓገዝ ንትርፊ ዘይሰርሑ ጉጅለታት ንኣሽሓት ስደተኛታት ክታበት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ታሕሳስ ቅነ ዓመት ብዓል ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ስደተኛታት ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ውህብቶ ይረኽቡ ኣለው።

መንግስቲ ብሓገዝ ንትርፊ ዘይሰርሑ ጉጅለታት ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብታ ሃገር ንዘለው ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ፍቓድ ዘይብሎም ነበርቲ ክታበት ይህቡ ኣለው።

ክሳብ ሎሚ ናይ መለለይት መንነት ስለዘይብሎም ብዙሓት ክታበት ክረኽቡ ኣይክኣሉን።ንትርፊ ሰይሰርሑ ጉጅለታት ብዝገበሩዎም ፃዕርታት ግን እዚ ተቐይሩ ኣሎ።

እቲ ክታበት ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ቦታ ሓዊሱ መለለይ መንነት ንዘብይብሎም ሰባት ይወሃብ ኣሎ።

ጁሊ ማሽን NOHA-CANንዝተብሃለ ንትርፊ ሰይሰርሕ ትካል ትሰርሕ ወለንተኛ እያ።ንሳ ‘’ገሊኦም ሰባት ዘይተመዝገቡ ክኾኑ ይኽእሉ።ሓተቲ ዕቑባ ክኾኑ ይኽእሉ።ደቡብ ኣፍሪካዊ እንተድኣ ዘይኮንካ ክታበር ክትረክብ ኣፀጋሚ እዩ።ብዙሓት ዕንቅፋት ኣለው።ሰባት ብቐሊሉ ክታበት ክረኽቡ ዘኽእል ዕድል ኢና ንፈጥር ዘለና’’ ትብል ።

ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሉ 42 ዓመት ዝዕድሚኡ ራፊኤል ዱዴ ክታበት ምርካቡ ሕጉስ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ሰባት ክታበት ንምርካብ ብኤሌክትሮኒክስ ክምዝገቡ ኣለዎም።ብኤሌክትሮኒክስ ንምምዝጋብ ድማቁፅሪ መፍለይ መንነት ክህልዎም ኣለዎም።ብኡ ኣብሉ እዩ መንግስቲ መን ክታበት ወሲዱ ዝብል ዝከታተል።

ብመሰረት ዶብ ኣልቦ ሓካይም Doctors Without Bordersዝተብሃለ ትካል ረድኤት እቲ ግብረመልሲ ዛጊድ ፅቡቕ ኣሎ።ንዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝስርሕ ዶክተር ቪኒያክ ብሃርድዋጅ ቅድሚ አቲ ፕሮግራም ብጃምላ ምዝርጋሕ ሰበስልጣን ዝበለፀ ምትእምማን ክፍጠር ክሰርሑ ኣለዎም ይብል።

ብዙሓት ስደተኛታት በቲ ቫይረስ ክይትሓዙ ይሰግኡ እዮምዝበሉ ንሱ ‘’ክታበት ንምውሳድ ወፂኦም ብኣኽበርቲ ሕጊ ከይትሓዙ ድማ ይፈርሑ እዮም።መንነቶም ዝገልፅ ሓበሬታ ንክፍሊ ጉዳያት ውሽጢ ከይህቡሎም ድማ ስክፍታታት ኣለዎም።ስለዚ ክፍሊ ጥዕና ንሸቶታት ጥዕና ህዝቢ ንምዕዋት ክሰርሑን መንነት ናይቶም ስደተኛታት ክዕቅቡን ብዝተኽኣለ መጠን ክሰርሑ ኣለዎም’’ ኢሉ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪላት ከምዝብሉዎ ብሰንኪ ግጭት፣ህውከትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣብ ዙሪያ ዓለም ሓደ ቢሊዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።

እቲ ለበዳ ከብቅዕ ኩሉ ሰብ ክታበት ክረብ መንግስታትን ጉጅለታት ረድኤትን ሓቢሮም ክሰርሑ ኣለዎም ይብሉ ሰብስልጣን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG